ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓፂር እዋን ዝተርኣየ ስራሕ ልምዓት ዝነኣድ እዩ-ኣመራርሓ ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓፂር እዋን ዝተርኣየ ስራሕ ልምዓት ዝነኣድ እዩ-ኣመራርሓ ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 15/2018(ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓፂር እዋን ዝተርኣየ ስራሕ ልምዓት ዝነኣድ እዩ ክብሉ ኣመራርሓ ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ ገሊፆም።
ላዕለዎት ኣመራሓ ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ ማስረሻ ሰጤን ፈንታው ሙሀባውን ሓዊሱ ኣባላት እቲ ትካል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ምንቅስቓስ ልምዓት ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።
በዚ ድማ ኣብታ ከተማ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር፣ወሰና ወሰን ሩባን ካልኦትን ጎብንዮም።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓፂር እዋን ዝተርኣየ ስራሕ ልምዓት ዝነኣድ ከምዝኾኑ ምግላፆም እውን ኢቢሲ ፀብፂቡ።
እቲ ዝስራሕ ዘሎ ልምዓት ካብቲ ንሰምዖ ዝነበርና ብተፃራሪኡን ዝነኣድን ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ብምግላፅ፤ እቲ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዘበናት ኣብ ጎንፂ ከምዝፀንሐት ብምዝኽኻር፤ ሰላማን ልምዓታን ንምርግጋፅ ብሓባር ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።
ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን ንዝተበፅሐ ዘላቒ ስምምዕ ውፅኢታዊ ዝገብር ስምምዕ ትማሊ ከምዝተፈረመ ዝፍለጥ እዩ።