ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ፎረም ኢኮኖሚ ትገብሮ ዘላ ተሳትፎ ዘላቕን ኩለ መዳያውን ዕቤት ንክቕፅል ስትራቴጂካዊ መሓዛ ኮይና ትቐፅል ኣላ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ፎረም ኢኮኖሚ ትገብሮ ዘላ ተሳትፎ ዘላቕን ኩለ መዳያውን ዕቤት ንክቕፅል ስትራቴጂካዊ መሓዛ ኮይና ትቐፅል ኣላ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 15/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ፎረም ኢኮኖሚ ትገብሮ ዘላ ተሳትፎ ዘላቕን ኩለ መዳያውን ዕቤት ንክቕፅል ስትራቴጂካዊ መሓዛ ኮይና ንምቕፃል ዘለዋ ድሉውነት ኣረጋገፃ ፡፡
ብሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ስዊዘርላንድ ዳቮስ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፎረም ኢኮኖሚ ንቑሕ ተሳትፎ እናገበረ ይርከብ፡፡
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ መፃኢ ዓለም ስርዓት ጥዕናን እቲ ዓውዲ ብፋይናንስ ኣብ ምሕጋዝን ትኹረት ብምግባር ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ተሞክሮ ኢትዮጵያ ኣቕሪቦም፡፡
ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ገጠር ኣገልግሎት ጥዕና ተበፃሕነት ንምድንፋዕ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን ዲጂታል ቴክኖሎጂታትን ብምጥቃም ዝወገነቶም ተግባራት ኣብሪሆም፡፡
ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ጎና ጎኒ እቲ ፎረም ምስ ቢል ጌትስ ከምኡ እውን ምስ ኮሚሽነር ዓለም ለኸ ጉዳያት ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት መራሕቲ ሃገራትን ትካላትን ክልቲኣዊ ልዝባት ኣካይዶም፡፡
ኣብ ኢኮኖሚያዊ ጉዳያት ሓሳቦም ዘካፈሉ እቶም ሚኒስትር፤ ዝተፈላለዩ ፅዕንቶታት ዝፃወር ኢኮኖሚ ንምህናፅ ወሰንቲ ዝበሉዎም ኣርባዕተ ተግባራት ኣመልኪቶም፡፡
ዘላቒ ስርዓት ፋይናንስ፣ ዞባዊ ቀረብ መሰረተ ልምዓት ሓይሊ፣ መሰረታዊ ኣገልግሎት ህዝቢ ክቕፅል ንምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ከምኡ እውን ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ብዝሃ ኢኮኖሚን ምጥንኻር ከምዝኾኑ ፀሪሖም፡፡
ኣብቶም ልዝባት ኢትዮጵያ ኢኖቬሽን ንምዕባይ፣ ምሕዝነት ንምጥንኻርን ንዘላቒ ልምዓትን ቆራፅ ምዃና ከምዘረጋገፀት ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንፈጠራ፣ምሕዝነትን ዘላቒ ልምዓትን ዘለዋ ትብዓት ዳግም ዘረጋገፀ እዩ ።
ዛጊድ ዘሎ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ኣብ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም 2026 እታ ሃገር ዘላቐን ኩለ መዳያውን ምዕባለ ንምምፃእ ፈጠራ፣ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነትን ንምጥቃም ዘለዋ ቖራፅነት ዘርኢ ምዃኑ እውን ተገሊፁ ።