ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጀርመንን ዘሎ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ምትሕብባር ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ክቐፅል እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጀርመንን ዘሎ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ምትሕብባር ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ክቐፅል እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ 15/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጀርመንን ዘሎ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ምትሕብባር ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ከም ዝቐፅል ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌድዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ጆአን ዋድፉል ተዛቲዮም፡፡
ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበሉዎ፤ ኢትዮጵያን ጀርመንን ዘለወን ኩለመዳይ ምትሕብባር 120 ዓመታት ከምዘቑፀረ ኣዘኻኺሮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ኣብ ጉዳያት ክልተኣውን በዓል ብዙሕ ወገንን ምትሕብባር ብዝርዝር ከም ዝዘተዩ ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ጎና ጎኒ ጉባኤ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ምስ መራሒ መንግስቲ ጀርመን ፍሬድሪክ ሜርዝ ዝገበሩዎ ዘተ ንዝለዓለ ምሕዝነት ሓዱሽ ምንቕቓሕ ፈጢሩ እዩ ኢሎም።
ሎሚ መዓልቲ ዝተገበረ ዘተ ሓደ ኣካል እዚ ከይዲ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ምርድዳእ ከም ዝተበፅሐ ኣብሪሆም።
ንሕርሻ፣ ትምህርቲ፣ ምውፋር ስራሕ፣ ንዓውዲታት ስልጠና ሙያን ሃፍቲ ተፈጥሮን ቀዳምነት ንምሃብ ከም ዝተስማዕምዑ ኣመልኪቶም፡፡
ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ፣ ድሕንነት፣ ግብረ ራዕዲ ኣብ ምክልኻን በዓል ብዙሕ ወገን ምትብሕብባርን ብምጥንኻር ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከም ዝተበፅሐ እውን ፀሪሖም፡፡
ጆኣን ዋድፉል ብግደኦም፤ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ጀርመንን ዘበናት ከምዘቑፀረ ብምዝኽኻር ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ኣግባባት ኣብ ስምምዕነት ከም ዝተበፅሐ ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ንኽረጋገፅ እናገበረቶ ትርከብ ኣስተዋፅኦ ዝነኣድ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡