ንዕዉትነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝበፅሖ ወሳኒ ምዕራፍ ንቑሕ ተሳትፎ ኩሉ ዜጋ ብዝበለፀ ክጠናኸር ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
ንዕዉትነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝበፅሖ ወሳኒ ምዕራፍ ንቑሕ ተሳትፎ ኩሉ ዜጋ ብዝበለፀ ክጠናኸር ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 15/2018(ኢዜኣ) ንዕዉትነት ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዝበፅሖ ወሳኒ ምዕራፍ ንቑሕ ተሳትፎ ኩሉ ዜጋ ብዝበለፀ ክጠናኸር ከምዘለዎ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ገሊፆም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ዋና ዋና ሃገራዊ ጉዳያት ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኣብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን መድረኽ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ከምዘሳለጠ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተረፈ ኣጀንዳ ምእካብን ምፍላይ ተሳተፍትን ብምስላጥ እቲ ዋና ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ንምክያድ ስራሕቲ ምድላው እናሳለጠ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ከተማ፣መሰረተ ልምዓትን ትራንስፖርትን ፕሮፌሰር መሐመድ ኣብዶ ከምዝበልዎ፤ ምኽክር ብሔራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኣዝዩ ኣድላይ ኣጀንዳ እዩ።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ እውን ኣብ ዋና ዋና ሃገራዊ ጉዳያት ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ምኽክር ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
እቲ ሃገራዊ ምኽክር ብሄራዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ዘተኣኻክብ ተረኽ ንምህናፅ ምችው ሃዋህው ዝፈጥር ወርቃዊ ዕድል ከም ዝኾነ ኣብራህሪሆም።
ንዕዉትነት እቲ ኮሚሽን ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ንዘቐመጦ ወሳኒ ሽቶ ተሳትፎ ኩሉ ገዜ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።
ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ እውን ንዕዉትነት ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ትፅቢት ዝግበረሎም ሃናፂ ሓላፍነት ከምዝዋፅኡ ኣረጋጊፆም።
ካልእይቲ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ሙስሊማ ረሽድ ብግደአን፤ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ሓባራዊ መፍትሒ ንምንዳይ ንመድረኽ ምኽክር ቀዳምነት ምሃብ ኣድላይ እዩ ኢለን።
ሃገራዊ ምኽክር እውን ኣብ ልዕልና ሓሳብ መሰረት ዝገበረ ባህሊ ፖለቲካ ብምህናፅ ዘላቒ ሃገራዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ሓድነት ንምፅናዕ ወሳኒ ኣማራፂ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ኮሚሽን ዕላምኡ ንምዕዋት ከም ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ዝገብርኦ ደገፍ ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላሉ ኣረጋጊፀን።