ኣመራርሓን ኣባላትን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ ስራሕቲ ልምዓት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጎብንዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣመራርሓን ኣባላትን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ ስራሕቲ ልምዓት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጎብንዮም
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 15/2018(ኢዜኣ) ኣመራርሓን ኣባላትን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ጎብንዮም።
ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን እናተኻየደ ዝነበረ ከይዲ ድርድር ተዛዚሙ ኣብ ቀረባ እዋን ስምምዕ ሰላም ምፍራሙ ዝዝከር እዩ።
ትማሊ እውን ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን ዝተበፅሐ ስምምዕ ዘላቒ ሰላም ውፅኢታዊ ምግባር ዘኽእል ስምምዕ ተፈሪሙ እዩ።
ኣመራርሓን ኣባላትን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ እውን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጡን ዝሳለጡ ዘለዉን ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም።
በዚ ድማ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ፣ ኣብታ ከተማ ዝተሳለጠ ልምዓት ኮሪደር፣ፕሮጀክትታት ወሰና ወሰን ሩባን ካልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ምዕዛቦም ኢቢሲ ፀብፂቡ።