ኢትዮጵያ ኣብ ምምሕዳር ሃፍቲ ማይን ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስን ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ምምሕዳር ሃፍቲ ማይን ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስን ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ
ነቀምቴ/ጥሪ 14/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ምምሕዳር ሃፍቲ ማይን ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስን ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምዝኾነት ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ሃብታሙ ኢተፋ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ግምገማ ኣፈፃፅማ ስራሕ ትልሚ 6 ኣዋርሕ በጀት 2018 ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ኣብ ከተማ ነቀምቴ ይካየድ ኣሎ።
ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ሃብታሙ ኢተፋ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሃፍቲ ማይ ብኣግባቡ ኣልሚዕኻ ንምጥቃም ዝተወሰዱ ስጉምትታት ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ።
ኢትዮጵያ እትኽተሎ ፍትሓውን ምኽንያታውን ኣጠቓቕማን ምምሕዳርን ሃፍቲ ማይ እውን ምንቅስቓስ ልምዓት ንምቅልጣፍ ርኡይ እጃም ኣለዎ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ምምሕዳር ሃፍቲ ማይን ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስን ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ጭቡጥ ውፅኢት ከምዘምፀአ ሓቢሮም።
ብካሊእ መዳይ ድማ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስን ምምሕያሽ መነባብሮ ከባብታት ቆላን ተስፋ ዝህቡ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ካብ ሃፍቲ ማይ ብተወሳኺ ሃፍቲ ኢነርጂ እውን ብኣግባቡ ምፍላይን ኣብ ረብሓ ምውዓልን ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ኣብቲ መድረኽ፤ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፣ሓለፍቲ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ፌዴራል፣ክልላትን ክልቲኦም ምምሕዳር ከተማታትን ተረኺቦም።