ከተማታት ኢትዮጵያ ማእኸል ብልፅግና ብምግባር ምችው ምህዳር ከተማነት ንምፍጣር ዝግበር ፃዕሪ ውፅኢታዊ እናኾነ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 14/2018 (ኢዜኣ) ከተማታት ኢትዮጵያ ማእኸል ብልፅግና ብምግባር ንነበርቲ ምችው ምህዳር ከተማነት ንምፍጣር ዝግበር ፃዕሪ ውፅኢታዊ እናኾነ ከም ዝመፀ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።
ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ምስ ቢግ ዊን ፊላንትሮፒ ንከተማታት ኢትዮጵያ መርኣያ ብልፅግና ናይ ምግባር ራኢ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ዝድግፍ ስምምዕ ምትሕብባር ተፈራሪሞም።
ኣብዚ እዋን ጉዕዞ ትራንስፎርሜሽን ከተማታት ኢትዮጵያ ዘቀላጥፍ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት ከተማታት ዕላዊ ኮይኑ።



ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ምስፍሕፋሕ ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ዕቤት ኢኮኖምን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ወሰንቲ ፍልፍል ሃፍቲ ኮይኖም እናገልገሉ እዮም።
እቲ ምህዳር ከተማነት ንነበርቲ ምችው ናይ ምግባር ፃዕሪ እውን መነባብሮ ዜጋታት ብምምሕያሽ ዓቕሚ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪበን።
እቲ ሓዱሽ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት ከተማታት እውን መሰረተ ልምዓትን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ከተማታት ብባዕላዊ ዓቕሚ ዝድገፍሉ ስርዓት ከምዝፈጥር ተዛሪበን።
ብብርኪ ሃገር ስርዓት ምምሕዳር ግብሪ ንብረት ብምምዕባል ዓቕሚ ምፍልፋል ኣታዊ ከተማታት ዘመሓይሽ ብሄራዊ ኣሰራርሓ ካዳስተር፣ሊዝ መሬትን ግብሪ ንብረትን ከምዝተፈጠረ ኣረዲአን።
ከተማታት ኢትዮጵያ ማእኸል ብልፅግና ብምግባር ንነበርቲ ምችው ምህዳር ከተማነት ንምፍጣር ዝግበር ፃዕሪ ውፅኢታዊ እናኾነ ከምዝመፀ ብምግላፅ፤ ከተማታትና ንከተማታት ኣፍሪካ መርኣያ ናይ ምግባር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢለን።
መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት ትራንስፎርሜሽን ከተማታት ኢትዮጵያ ብዓወት ንምምራሕ እውን ምስ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ብቐረባ ዝሰርሕ ጉጅለ ቴክኒክ ከም ዝተዋቐረ ኣብራህሪሀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም