ኣብ ልዕሊ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዝተዋፈሩ ልዕሊ 133 ሽሕ ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ተወሲዱ

ደሴ/ጥሪ 14 /2018(ኢዜኣ) ኣብ 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ኣብ ልዕሊ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዝተዋፈሩ ልዕሊ 133 ሽሕ ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ግምገማ ኣፈፃፅማ ስራሕን ጉባኤ ሴክተርን ፍርቂ ዓመት በጀት ዓመት 2018 እቲ ሚኒስቴር ኣብ ከተማ ደሴ ይካየድ ኣሎ።




ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ዕዳጋ ንምርግጋዕ፣ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምቁፅፃርን ንግዲ ወፃኢ ንምዕባይን ብትኹረት እናሰርሐ ፀኒሑ እዩ።
ዕዳጋ ንምርግጋዕ ማእኸላት ዕዳጋ ንምስፍሕፋሕን ደረጅኦም ንምምሕያሽን ዝተገበሩ ፃዕርታት ጭቡጥ ወፅኢት ከም ዝተረኸበሎም ተዛሪቦም።
ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን እውን ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ከም ዝተወሰደ ሓቢሮም።
ኣብ 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ኣብ ልዕሊ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዝተዋፈሩ ልዕሊ 133 ሽሕ ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ኣብታ ሃገር ጥዕና ዘለዎ ስርዓት ንግዲ ብምፍጣር ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እውን ኣረዲኦም።
ንግዲ ወፃኢ ንምስላጥ ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ እውን ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ናብ ወፃኢ ካብ ዝተልኣኹ ፍርያታት ልዕሊ 5 ነጥቢ 1 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም