ኢትዮጵያን ቤላሩስን ኣብ ወታደራዊ ዓውዲ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ክልቲኣዊ መረዳድኢ ስምምዕ ተፈራሪመን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ቤላሩስን ኣብ ወታደራዊ ዓውዲ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ክልቲኣዊ መረዳድኢ ስምምዕ ተፈራሪመን
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 14 /2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ቤላሩስን ኣብ ወታደራዊ ዓውዲ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ክልቲኣዊ መረዳድኢ ስምምዕ ሎሚ ተፈራሪመን።
እቲ ስምምዕ ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሀመድ (ኢ/ር)ን ናይ ቤሩስ መዘንአን ዲምትሪ ፓንተስን እዮም ፈሪመምዎ።
ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሀመድ (ኢ/ር)፤ እቲ መረዳድኢ ስምምዕ ወታደራዊ ቴክኖሎጂን ኢንዱስትርን ኢትዮጵያ ንምዕባይን ብወታደራዊ ፍርያታት ዓርስና ንምኽኣልን ንዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ልዑል ረብሓ ኣለዎ ኢለን።
ሃገርና እውን ማእኸል ኣፍሪካ ስለዝኾነት ሓባራዊ ዕዳጋን ተረባሕነትን ምፍጣር ከምዘኽእል ተዛሪበን።
እቲ ስምምዕ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈራረምዎ ስትራቴጂካዊ ስምምዕ ናብ ተግባር ንምስጋር ዘኽእል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረን ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝነት ዘጠናኽር ከምዝኾነ እውን ሓቢረን።
ሚኒስትር ምክልኻል ቤላሩስ ዲምትሪ ፓንተስ ብግደኦም፤ ንዝተገበረሎም ኣቀባብላ ኣመስጊኖም።
እቲ መረዳድኢ ስምምዕ ዝፀንሐ ምሕዝነት እተን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግር እዩ ኢሎም።
ክልቲአን ሃገራት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ብሓባር እናሰርሓ ከምዝርከባ ብምሕባር፤ እቲ ስምምዕ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓደሽቲ ዓውድታት ንምውፋር ዘኽእል ዕድል ዝፈጠረ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ሓይሊ ኣየር ቤላሩስ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ዝኽበር መበል 90 በዓል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምርኢት ኣየር ከምዘቕርብን ልኡኻት ከምዝርከቡን ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ንኢዜኣ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።