እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣዋጃት ፍርደኛታት ምትሕልላፍን ጉዳይ ገበን ኣሕሊፍካ ምሃብን ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 14/2018 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣዋጃት ፍርደኛታት ምትሕልላፍን ጉዳይ ገበን ኣሕሊፍካ ምሃብን ኣፅዲቑ።
እቲ ቤት ምኽሪ መበል 9ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሳሊጡ።
እቲ ስምምዕ ምትሕልላፍ ፍርደኛታት፤ ኣብ መንጎ መንግሥትታት ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያን ህዝባዊት ሪፐብሊክ ቻይናን፣ ኣብ መንጎ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ደቡብ ኣፍሪካን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ መንግሥትታት ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያን ፌዴራላዊ ሪፐብሊክ ብራዚልን ዝተገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።



በዚ ድማ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ምስተን ሃገራት ብዝተገበረ ስምምዕ ረቂቕ ኣዋጃት ፍርደኛታት ናይ ምትሕልላፍን ጉዳይ ገበን ኣሕሊፍካ ምሃብን መርሚሩ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።
እቶም ኣዋጃት ከይዲ ህንፀት ፍርደኛታት ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ብምግባር ኢትዮጵያ ምስተን ሃገራት ዘለዋ ርክብ ንግዲ፣ኢንቨስትመንትን ዲፕሎማስን ንምጥንኻር ከምዘኽእል ተሓቢሩ።
ብተወሳኺ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ኣብ መንጎ መንግሥቲ ኢትዮጵያን ባንኪ ኤክስፖርት-ኢምፖርት ኮሪያን ዝተገበረ መፈፀሚ ስምምዕ ልቓሕ ቀረብ መሳርሒ ሕክምና ምዕራፍ-2 ዘትዩ።
ኣብ ምምሕያሽ ሴኪዩሪቲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ፣ምምሕዳር ልምዓት ስፖርት ፌዴራልን ማሕበራት ሕብረት ስራሕን ዝቐረቡ ረቒቕ ኣዋጃት መርሚሩ ንዝምልከቶም ቀዋሚ ኮሚቴታት መሪሑ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም