ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን ዝተበፅሐ ስምምዕ ዘላቒ ሰላም ንክዓስል ዝገብር ዓብይ ስጉምቲ እዩ-ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 14/2018(ኢዜኣ) ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን ዝተበፅሐ ስምምዕ ዘላቒ ሰላም ንክዓስል ዝገብር ዓብይ ስጉምቲ ከምዝኾነ ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስ ገሊፆም።
ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ክልል ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን ዝተገበረ ዘላቒ ስምምዕ ሰላም ውፅኢታዊ ንምግባር መፈፀሚ ስምምዕ ተፈሪሙ።
እቲ ስምምዕ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ድሕንነትን ክልል ኣምሓራ እሸቱ የሱፍ (ዶ/ር)ን ሓላፊ ወታደራዊ ምምሕዳር ህዝባዊ ትካል ፋኖ ክልል ኣምሓራ እያሱ ኣባተ (ረዳት ፕሮፌሰር)ን እዮም ፈሪመምዎ።
ኣብቲ ስምምዕ ዝርዝር ከይድታት፣ ምጥያሽ ሓባራዊ ኮሚቴ ቴክኒክን ካልኦት ጉዳያትን ከም ዝተኻተቱ ተገሊፁ።



ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስ ኣብዚ እዋን፤ 
ሓይሊ ብምጥቃም ዝምለስ ሕቶ ከምዘየለን ብረት ኣልዒሎም ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ናብ ሰላማዊ መንገዲ ክመፁ ከምዝግባእን ሓቢሮም።
ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን ዝተበፅሐ ስምምዕ ዘላቒ ሰላም ንክዓስል ዝገብር ዓብይ ስጉምቲ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። 
ካልኦት ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት እውን እዚ መርኣያ ተኸቲሎም ናብ ሰላም ክመፁ ከምዝግባ ተዛሪቦም።
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣብዱ ሁሴን(ዶ/ር) ብግደኦም፤ መፈፀሚ እቲ ስምምዕ ዘላቒ ሰላም ንክዕወት ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።
እቲ ስምምዕ ንህዝቢ እፎይታ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ሽርሒ ግዳማዊ ሓይልታት ዘፈሽል ወሳኒ ስጉምቲ እዩ ኢሎም።



ምክትል ኣቦ መንበርን ወታደራዊ ኣዛዝን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ ኮለኔል ፈንታው ሙሃባ፤ ናብቲ ስምምዕ ዝመፃና ህዝቢ ኣምሓራ ልዕሊ እዚ ኲናት ምሽካም ኣብ ዘይኽእለሉ ብርኪ ስለዝበፅሐ እዩ ክብሉ ገሊፆም። 



ምስ ደጋዊ ሓይልታት ብምትሕብባር ረብሓ ሃገር ኣሕሊፍና ንዘይምሃብ ብምውሳንና እውን እዩ ናብዚ ስምምዕ ዝመፃና ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም