ዕዉታት ስጉምትታት ለውጢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ብምዕባይ እታ ከተማ ንከተማታት ኣፍሪካ መርኣያ ዝገበሩ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ዕዉታት ስጉምትታት ለውጢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ብምዕባይ እታ ከተማ ንከተማታት ኣፍሪካ መርኣያ ዝገበሩ እዮም
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 14/2018 (ኢዜኣ) ዕዉታት ስጉምትታት ለውጢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ብምዕባይ እታ ከተማ ንከተማታት ኣፍሪካ መርኣያ ዝገበሩ ከም ዝኾኑ ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ዓውደ መፅናዕቲ ከይዲ ግምገማ ኣህጉራዊ ልውውጥ ተሞኩሮን መርሃ ግብሪ ፍፃመን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ውፅኢት ብደገፍ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (UNECA) ዝተኻየደ መፅናዕቲ ዳህሳስ ፋይናንሻል ማኔጅመንት ከተማታት ኣፍሪካ እውን ኣብቲ መድረኽ ዕላዊ ኮይኑ።
ኣብ ከተማታት ኣፍሪካ ኣዲስ ኣበባ፣ናይሮቢ፣ ዳሬሰላም፣ ሉሳካ፣ ኪጋሊን ያውንዴን ኣብ ዝተኻየድው ውፅኢት መፅናዕቲ ዳህሳስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝለዓለ ኣፈፃፅማ ቀዳመይቲ ከምዝኾነት ተገሊፁ።
ኣብቲ መፅናዕቲ ዳህሳስ ካብ ዝተኻተቱ ዋና ዋና ረቛሕታት ኣዲስ ኣበባ ብሓሙሽተ ነገራት ልዑል ውፅኢት ብምምዝጋብ ብዝሓሸ ምምሕዳር ኣታውን ሃፍቲ ፋይናንስን ዕዉትቲ ከተማ ምዃና እውን ተሓቢሩ።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ቅልጡፍ ዕቤት ጉዕዞ እታ ከተማ ዘቀላጥፉ ዕዉታት ስጉምትታት ሪፎርም ብምውሳድ ብቆራፅነት ተግባራዊ ተገይሮም እዮም።
ኣወሃህባ ፍቓድ ንግድን ስርዓት ኣተኣኻኽባ ኣታውን እውን ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ብምምዕባልን ግልፅነት ብምርግጋፅን ብባዕላዊ ዓቕሚ ኢንቨስትመንት ልምዓት እትድግፈሉ ምህዳር ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ተዛሪበን።
ቆራፅነት ኣመራርሓ፣ ስራሕ ብፍልጠትን ቴክኖሎጂን ምድጋፍ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ግልፅነት ምፍጣር ንትራንስፎርሜሽን ከተማታት መሰረታዊ ጉዳያት ከምዝኾኑ እውን ኣረዲአን።
ስትራቴጂክ ስጉምትታት ሪፎርም ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኩለ መዳያዊ ተወዳዳሪነት እታ ከተማ ብምዕባይ ንከተማታት ኣፍሪካ እውን መርኣያ ለውጢ ዝገበሩ እዮም ኢለን።
ቀፃሊ ዕዳ ከተማታት ዝውሰን ሎሚ ብዝዝርጋሕ ጠንካራ ስርዓት ፋይናንስ እዩ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ ነዚ ድማ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ኣፍሪካ ንስራሕ ሪፎርም ከተማ ዝገብሮ ደገፍ ዝነኣድ ከምዝኾነ ሓቢረን።