ስራሕቲ ምስፍሕፋሕን ምምሕያሽ ደረጅኦምን ዕዳጋ ንምርግጋዕ ዝሕግዙ ማእኸላት ዕዳጋ እናተሳለጡ እዮም-ሚኒስትር ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ስራሕቲ ምስፍሕፋሕን ምምሕያሽ ደረጅኦምን ዕዳጋ ንምርግጋዕ ዝሕግዙ ማእኸላት ዕዳጋ እናተሳለጡ እዮም-ሚኒስትር ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)
ሆሳእና/ጥሪ 14/2018(ኢዜኣ) ዕዳጋ ንምርግጋዕን ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምቁፅፃርን ዝሕግዙ ማእኸላት ዕዳጋ ካብ ምስፋሕ ብተወሳኺ ስራሕ ምምሕያሽ ደረጅኦም እውን እናተሳለጠ ከምዝኾነ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ እቲ ሚኒስቴር ዕዳጋ ንምርግጋዕን ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምቁፅፃርን ዝሕግዙ ማእኸላት ዕዳጋ ካብ ምስፋሕ ብተወሳኺ ስራሕ ምምሕያሽ ደረጅኦም እውን ኣብ መላእ እታ ሃገር እናሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ቅድም ኢሉ በቲ ዝድለ መጠን ማእኸላት ዕዳጋ ብዘይምስፍሕፍሖም ፍርያታት ግብርናን ኢንዱስትርን ብዝተመጣጠነ ዋጋ ንምግዛእ ምችው ኩነታት ከምዘይነበረ ብምዝኽኻር፤ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ግና እቲ ፀገም ብምፍታሕ እቲ ዕዳጋ ንምርግጋዕ ብዝተሰርሐ ስራሕ ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 1 ሽሕን 900 ማእኸላት ዕዳጋ ሰንበት ምጥያሽ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ስርዓት ንግዲ ዝረኣዩ ዝነበሩ ፀገማት ንምፍታሕ ማእኸላት ዕዳጋ ካብ ምስፍሕፋሕ ብተወሳኺ ደረጅኦም ናይ ምምሕያሽን ዝተፈላለዩ ስራሕትን እናተሳለጡ እዮም ኢሎም።
ግቡእ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ብምግባር ህዝቢ ንፀገም ዘቃልዑ ዝነበሩ ኣካላት እውን ብሕጊ ተሓተትቲ ንክኾኑ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣረዲኦም።