ኣብቲ መረፃ ብልዕልና ሓሳብ ንምውድዳር ዘኽእል ምድላው እናተገበረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብቲ መረፃ ብልዕልና ሓሳብ ንምውድዳር ዘኽእል ምድላው እናተገበረ እዩ
ባህር ዳር/ጥሪ 14/2018 (ኢዜኣ) ፓርትታት ኣብቲ መረፃ ንህዝቢ ዝጠቕሙ ፕሮግራማት ሒዞም ብዝሰልጠነ መንገድን ብልዕልና ሓሳብን ንምውድዳር ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።
ኣካቢ እቲ ሓባራዊ ቤት ምኽርን ኣቦ መንበር ምንቅስቓስ ዲሞክራሲያዊ ሓይሊ ኣምሓራን ተስፋሁን ዓለምነህ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዝተሓቖፉ ውድባት ንኣባላቶምን ደገፍቶምን ግንዛበ ብምፍጣር ንሰላማውን ዲሞክራሲያውን ከይዲ እቲ መረፃ እጃሞም ንከበርክቱ እናተሰርሐ እዩ።
ከይዲ እቲ መረፃ ዝሰልጠነ ንሕንሕ ዝግበረሉ፣ተኣማኒ፣ፍትሓዊ፣ነፃ፣ግንፅን ሓቛፍን ንክኸውን ውድባት ኣባል እቲ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ እጃሞም ንምውፃእ ድሉዋት ከምዝኾኑ እውን ኣረጋጊፆም።
ስለዝኾነ ድማ ፕሮግራም ብምሕንፃፅ ናብቲ መረፃ ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ ንኣባላቶም ደገፍቶምን እቲ መረፃ ፍፁም ሰላማዊ ኮይኑ ንክዛዘም ግንዛበ ናይ ምጭባጥ ስራሕ ንምስራሕ ከምዝተዳለዉ ሓቢሮም።
ውድባት ፖለቲካ ብነፃነት ተንቀሳቒሶም ዝሰርሕሉን ፕሮግራሞም ኣብ ሚድያ ብፍትሓዊነት ናብ ህዝቢ ዘብፅሕሉን ኩነታት ኣብ ምፍጣር እውን መንግሥቲ እጃም መሪሕነቱ ንክዋፃእ ሓቲቶም።
ድምፂ ህዝቢ ብምኽባር እቲ ዝመፅእ ውፅኢት ምቕባል ድማ ናይ ኹሉ ግቡእ እዩ ኢሎም።