ኣብ ክልል ዓፋር 2 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ዓመት ዕድመ ዘለዎ ፓራንትሮፐስ ዝተብሃለ ኣካል ቅሪት ዘርኢ ወዲ ሰብ ተረኺቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልል ዓፋር 2 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ዓመት ዕድመ ዘለዎ ፓራንትሮፐስ ዝተብሃለ ኣካል ቅሪት ዘርኢ ወዲ ሰብ ተረኺቡ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 14/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ዓፋር ሚሌ-ሎጊያ ፓሊዮአንትሮፖሎጂ ኣብ ስፍራ መካነ ሓድጊ 2 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ዓመት ዕድመ ዘለዎ ፓራንትሮፐስ ዝተብሃለ ቅሪተ ኣካል ዘርኢ ወዲ ሰብ ተረኺቡ ።
ክልል ዓፋር ሚሌ-ሎጊያ ፓሊዮአንትሮፖሎጂ ኣብ ስፍራ መካነ ሓድጊ 2 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ዓመት ዕድመ ዘለዎ ፓራንትሮፐስ ዝተብሃለ ኣካል ቅሪት ዘርኢ ሰብ ከምተረኸበ ተገሊፁ ።
ክልል ዓፋር ሚሌ-ሎጊያ ፓሊዮአንትሮፖሎጂ ኣብ ስፍራ መካነ ቅርሲ ዝተረኸበ ቅሪተ ኣካል ቅድሚ ሐዚ ተረኺቡ ዘይፈልጥ ቅድመ ዘርኢ ሰብ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓድግታት ኢትዮጵያ ኤሊያስ ሽኩር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ተመራመርቲ ኢትዮጵያ ምስ ተመራመርቲ ወፃኢ ዓዲ ብምዃን ብዝገበርዎ መፅናዕትን ምርምርን ኢትዮጵያ ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝርከበላ ምዃና ኣብ መድረኽ ዓለም ኣፋሊጡ እዩ ኢሎም።
ሎሚ እውን ቅድሚ ሕዚ ዘይተርኣየ ዘርኢ ወዲ ሰብ ኣብ ዩንቨርሲቲ ችካጎ ኣሜሪካ ተመራማሪ ብዝኾኑ ዘረሰናይ ኣለምሰገድ (ፕ/ር) ብዝተመርሐ ልኡኽ ምርካቡ ተዛሪቦም።
እቲ ርካብ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ኣብ ዝኾነ መፅሄት ኔቸር ከምዝሕተም እውን ሓቢሮም።
ዘርኢ ቅድመ ሰብ ዝሓሸ ከባቢ ናይ ምልማድ ባህሪ ዘለዎ ስለዝኾነ ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ምህላዉ ዘርኢ መፅናዕታዊ ውፅኢት ከም ዝተረኸበ ኣፍሊጦም ።