ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዓለም ለኸ መድረኻት ንክትኸውን ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 13/2018(ኢዜኣ) ኣዲስ ኣበባ መርኣያ ብልፅግና ከምኡ እውን ማእኸል ዓለም ለኸ መድረኻት ንክትኸውን ዝግበር ፃዕሪ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
እተን ከንቲባ፤ ኣብ ኣዘርባጃን ከተማ ባጁ ኣብ ዝካየድ ፎረም ከተማታት ዓለም ኣዲስ ኣበባ ዘለዋ ተሞኩሮ እተካፍለሉ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ኣምባሳደር ኣዘርባጃን ኣብ ኢትዮጵያን ዳይሬክተር ሃቢታት ዩኤን ዞባ ኣፍሪካን ኦውማር ሲላ ውፅኢታዊ ዘተ ገይርና ኢለን።



እቲ መድረኽ ኣዲስ ኣበባ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ልምዲ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እተካፍለሉን ተሳትፎኣ ብዝበለፀ እተዕብየሉን ዓብይ ዕድል ከምዝኸውን እውን ሓቢረን።
ኣዲስ ኣበባ መርኣያ ብልፅግና ከምኡ እውን ማእኸል ዓለም ለኸ መድረኻት ናይ ምግባር ፃዕሪ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና ክብላ እውን ኣረዲአን። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም