እቲ ኢንስቲትዩት ቀረብ ቀለብ እንሰሳት ብምዕባይ መፍረያይነት እቲ ዓውዲ ንምዕባይ ዝጀመሮም ስራሕቲ ምርምር ብዝበለፀ ከጠናኽሮ ይግባእ

ኣዳማ/ጥሪ 13/2018 (ኢዜኣ) ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ባዮን ኢመርጂንግን ሕፅረት ቀለብ እንሰሳት ንምፍታሕን ፍርያትን መፍረያይነትን እንሰሳት ንምዕባይን ዝጀመሮም ስራሕቲ ምርምር ብዝበለፀ ከጠናኽሮም ከምዝግባእ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሓይሊ ሰብ፣ወፍሪ ስራሕን ቴክኖሎጅን ኣተሓሳሲቡ።
ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣብ ዝርከቡ ፕሮጀክትታት ምርምር ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ባዮን ኢመርጂንግን ዑደት ገይሮም።



ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሓይሊ ሰብ፣ወፍሪ ስራሕን ቴክኖሎጅን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ነገሪ ሌንጮ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ እቲ ኢንስቲትዩት ፀገም እቲ ሕብረተሰብ ብጭቡጥ ምፍታሕ ዝኽእሉ ምርምራት ንምስላጥ ንዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ንኢዶም።
ደረቕ ጎሓፍ ናብ ቀለብ እንሰሳትን ማደበሪያ ተፈጥሮን ንምቕያር ዘኽእለ ቴክኖሎጂ ፈጠራ ጋህዲ ምግባሩ እውን ናይዚ መርኣያ እዩ ኢሎም።
እቲ ኢንስቲትዩት ጠቐምቲ ውፅኢታት ምርምር ብምስፍሕፋሕ ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚ እጃሙ ብዝበለፀ ንከጠናኽር እውን ሓቲቶም።
ቀለብ እንሰሳት ኣብ ውሽጢ ሃገር ምፍራይ ሸርፊ ወፃኢ ብምትራፍ ፍርያትን መፍረያይነትን ዘዕቢ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብዚ መዳይ ዝጀመሮም ስራሕቲ ምርምር ብዝበለፀ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ ኣተሓሳሲቦም።
ተመራማሪ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ባዮን ኢመርጂንግን ፍሬው ታፈሰ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ጎሓፍ ናብ መዳበሪያ ተፈጥሮን ካልኦት ረብሓ ዘለዎም ስራሕትን ዝልውጥ “ነብሳት” ዝተብሃለ ፕሮጀክት ብምሕንፃፅ ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዘሳለጠ ሓቢሮም።
እቲ ቴክኖሎጂ ፍራ ምረ ሓዊሱ ተረፈ ፍርያታት ግብርናን ኢንዱስትርን ብምጥሓንን ብምብልዕላዕን ናብ ቀለብ እንሰሳትን ማዳበሪያ ተፈጥሮን ዝቕይር እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም