እቲ ቤት ምኽሪ ኣዋጅ መረፃ ብምምሕያሽ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ግልፅን ፍትሓውን መረፃ ንኽካየድ ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ቤት ምኽሪ ኣዋጅ መረፃ ብምምሕያሽ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ግልፅን ፍትሓውን መረፃ ንኽካየድ ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 13/2018(ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣዋጅ መረፃ ብምምሕያሽ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ግልፂ፣ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን መረፃ ምስላጥ ዘኽእሉ ምችው ኩነታት ንክፍጠሩ ከም ዝገበረ ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምዝገባ መረፅቲ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ካብ 7 ለካቲት ክሳብ 7 መጋቢት 2018 ዓ/ም ንክሳለጥን መውሃቢ ድምፂ ድማ 24 ግንቦት 2018 ዓ/ም ንክኸውንን ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር መረፃን ውሳነ ድምፅን ዘሳልጥ ዘይሻራዊ ትካል እዩ።
እቲ ቦርድ ብመሰረት እቲ ሕገ መንግሥቲ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ንምስላጥ እኹል ምድላው ከም ዝገበረ ኣብ ፀብፃቡ ከምዘረጋገፀ ሓቢሮም።
እቲ ቤት ምኽሪ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ፍትሓዊ፣ሰላማውን ተኣማንነት ዘለዎን ኮይኑ ንክዛዘም ኣድላይ መመሓየሽታት ሕጊ ከም ዝገበረ እውን ተዛሪቦም።
ብፍላይ ድማ ንቁፅሪ ኣዋጅ 1162/2011 ብምምሕያሽ ምዝገባ ሕፁያትን መረፅትን ከምኡ እውን ካልኦት ስራሕቲ እቲ ቦርድ ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝተደገፉ ንክኾኑ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ኣብራህሪሆም።
ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ እቲ መረፃ ኣብ ምዕዛብን ንመረፅቲ ግንዛበ ኣብ ምፍጣርን ወሳኒ እጃም ከምዘለዎም ኣረዲኦም።
መንግሥቲ ብመሰረት ሕቶ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ግልፅነትን ተኣማንነትን እቲ መረፃ ዘቀላጥፉ ምድላዋት እናገበረ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ንዕዉትነት መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ኩሎም ኣካላት እጃሞም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።