ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ህንፀት ስማርት ሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዘቀላጥፍ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 12/2018(ኢዜአ) ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ህንፀት ስማርት ሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብዝበለፀ ዘቀላጥፍ ከም ዝኾነ ቢሮ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቱሉ ጥላሁን (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ወሰንቲ ዝኾኑ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ብዓወት ተሳሊጦም እዮም።
ቅድሚ ሕዚ ብትሑት ቅልጣፈን ብብርኪ ወረዳን ተወሲኑ ዝነበረ ምትእስሳር ኔትወርክ ከምዝተመሓየሸ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን 86 ትካላት መንግሥቲ ብመሰረተ ልምዓት ሲቲ ኔት (City Net) ከምዝተራኸቡ ኣፍሊጦም።
ኣብታ ከተማ ኣገልግሎታት መንግሥቲ ሙሉእ ብሙሉእ ዲጂታላይዝ ብምግባር ዜጋታት ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንክረኽቡ መሰረት ከም ዘንበረ እውን ተዛሪቦም።
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ህንፀት ስማርት ሲቲ ብዝበለፀ ዘቀላጥፍን ሂወት ዜጋታት ዘቕልልን ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
እቲ ስትራቴጂ ዜጋታት ተጠቀምቲ ቴክኖሎጂ ጥራሕ ዘይኮኑስ ሓደሽቲ ዲጂታል መፍትሕታት ዘፈልፍሉ ፈጠርቲ ንክኾኑ ምችው ኩነታት ከምዝፈጥር እውን ገሊፆም።
ብሓፈሻ‎ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንኣዲስ ኣበባ ዘበናውን ዝማዕበለትን ስማርት ሲቲ ናይ ምግባር ራኢ ጋህዲ ከም ዝገብር ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም