ኢትዮጵያ ሓባራዊ ተረኽ ኣብ ምህናፅን ብሄራዊ ረብሓ ኣብ ምርግጋፅን ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ እናመዝገበት እያ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 12/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ሓባራዊ ተረኽ ኣብ ምህናፅን ብሄራዊ ረብሓ ኣብ ምርግጋፅን ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ እናመዝገበት ከምዝኾነት ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ ገሊፆም።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኢትዮጵያ ታሪኽ ነዊሕ ዓመት ዘለዋን ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሃፍትታት ዝተዓደለትን ዓባይ ሃገር እያ ኢሎም።
እዞም ፀጋታት ኩለ መዳያዊ ዕቤት ንምምፃእን ዜጋታት ዘተኣሳስር ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅን ወሰንቲ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም።
ይኹን እምበር እዞም ፀጋታት እዚኦም ብኣግባቡ ብምግንዛብ ንሃገራዊ ረብሓ ክውዕሉ ብዘይምኽኣሎምን ኣብ ዘተኣሳስሩ ጉዳያት ትኹረት ብዘይ ምግባሩን ሃገራዊ ዕቤት በቲ ዝድለ ብርኪ ከይተጉዓዘ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም።
እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ሓድነት ኣብ ዘጠናኽሩ ህንፀት ሓባራዊ ተረኽ ብትኹረት እናሰርሐ ከም ዝርከብ ሓቢሮም።
ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተፃሒፎም ንንባብ ዝበቕዑ መፅሓፍቲ መደመር ዜጋታት ብዛዕባ ሃገሮም ዘለዎም ኣረዳድኣ ኣብ ምስትኽኻልን ሓባራዊ ተረኽ ኣብ ምህናፅን ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎም ኣረዲኦም።
ኣብታ ሃገር ብተግባር ዝረኣዩ ዘለዉ ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ልምዓት ሓድነት ዜጋታት ካብ ምጥንኻር ብተወሳኺ ውሽጣዊ ጥንካረን ብሄራዊ ኩርዓትን ምጥንኻር ዘኽእል ዓቕሚ ከም ዝተፈጠረ መርኣያ እዮም ኢሎም።
እዚ ድማ ንህንፀት ወለዶን ጠንካራ ሃገረ መንግሥትን ዝውዕል ሓባራዊ ተረኽ ናይ ምፍጣር ስራሕ ዝጭበጥ ውፅኢት እናምፀአ ከም ዝኾነ ዘርኢ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ፍትሓዊ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርግጋፅ ንዝግበር ታሪኻዊ ጉዕዞ እውን ሓባራዊ ተረኽ ብምህናፅ ዜጋታት ብሓደ ልቢ ንምስላፍ ርኡይ ፋይዳ ከም ዘለዎ ኣብራህሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም