ተበፃሕነት ኣገልግሎት ዲጂታል ባንኪ ንምስፋሕ ዝሳለጡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ተበፃሕነት ኣገልግሎት ዲጂታል ባንኪ ንምስፋሕ ዝሳለጡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 12/2018(ኢዜኣ) ተበፃሕነት ኣገልግሎት ዲጂታል ባንኪ ንምስፋሕ ዝሳለጡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 'CBE Connect Digital Wallet' ዝተብሃለ ካብ ወፃኢ ገንዘብ ንምልኣኽ ዘኽእል ሓዱሽ መተግበሪ ስራሕ ኣጀሚሩ።
እቲ ሓዱሽ መተግበሪ ብምትሕብባር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ፋይናንሻል ሶሉሽንስ ስታር ፔይን ከምዝማዕበለ እውን ተገሊፁ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምጅማር እቲ ኣገልግሎት፤ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፍፁም ኣረጋ፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ተወካሊ ፕሬዚዳንት እቲ ባንክን ምክትል ፕሬዚዳንት ኣገልግሎት ኮርፖሬትን ኤፍሬም መኩሪያ ኣብዚ እዋን ከምዝልዎ፤ እቲ ባንኪ ኣሰራርሕኡ በቢ እዋኑ ብምምዕባል ቅልጡፍን ውፅኢታውን ኣገልግሎት እናሃበ እዩ ዝርከብ።
ዲጂታል ኢትዮጵያን ጋህዲ ንምግባር እቲ ባንኪ ዲጂታል ቴክኖሎጂታት ብምስፍሕፋሕ ዓማዊል ቅልጡፍ፣ ተበፃሕን ዘበናውን ኣገልግሎት ንክረኽቡ እናገበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እቲ ሎሚ ስራሕ ዝጀመረ መተግበሪ፤ ዲጂታል ጉዕዞ እቲ ባንኪ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግር ከም ዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ዲጂታል ኣገልግሎት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ዝርከቡ ዓማዊል ብዝበለፀ ዘተኣሳስርን ከይዲ ሓዋላ ዘቀላጥፍን እዩ ኢሎም።
ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ዲጂታል ባንኪ ንምስፋሕ ዝጀመሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ እውን ኣፍሊጡ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋይናንሻል ሶሉሽንስ ስታር ፔይ በሱፍቃድ ጌታቸው ብግደኦም፤ እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ዲጂታል ስርዓት ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዓብይ ለውጢ ዘምፅእ እዩ ኢሎም።
መንግሥቲ ንኩባንያታት ቴክኖሎጂ ዝፈጠሮ ምችው ኩነታት ተዛመድቲ ፈጠራታት ንክውስኹ ከምዘኽኣለ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ካልኦት ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ንምምዕባል ከምዝስርሑ ገሊፆም።