ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ - ኢዜአ ትግርኛ
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 12/2018(ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 52 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎም ውሳነታት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ፡-
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 52 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ቤት ምኽሪ ብቀዳምነት ኣዋጅ ጉምሩኽ ዳግማይ ንምምሕያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ እዩ ዘትዩ። እቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ኣዋጅ ጉምሩኽ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ዘገልገል ስለዝኾነ ድንጋገታት እቲ ኣዋጅ ዓለም ለኸ ምንቅስቓስ ንግዲ ምስ ዝበፅሖ ብርኪ ዕቤት ንምጥዕዓም፣ ኣብ ሃገርና እናዓበየ ዝመፀ ልምዓት ኢንዱስትሪ ማኑፋክቹሪን ንምድጋፍ ከምኡ እውን ሕጋዊ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምትብባዕ እቲ መመሓየሺ ኣዋጅ ተዳሊዉ ቀሪቡ እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ኣዋጅ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታዩ እታዎታት ብምውሳኽ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
ብምቕፃል እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ረቂቕ ደንቢ ንኢንቨስትመንት ዝወሃብ መተባብዒ ቀረፅን ታክስን ዝዘተየ እንትኸውን፤ ንዕቤት ኢኮኖሚ ሃገርና ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዘለዎምን ቀዳምነት ንዝወሃቦምን ከምኡ እውን ልዑል ካፒታል ንዝሓቱ ኣብ ግምት ዘእተወን ኣብ ኣፈፃፅማ መሰረት ዝገበረን ስርዓት መተባብዒ ኢንቨስትመንት ምዝርጋሕ ኣድላይ ኮይኑ ስለዝተረኸበ እቲ ረቂቕ ደንቢ ተዳሊዉ ቀሪቡ እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ደንቢ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታዩ እታዎታት ብምውሳኽ እቲ ደንቢ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ፌዴራል ተሓቲሙ ካብ ዝወፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ንክግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ረቂቕ ፖሊሲ ልምዓት ኢንተርፕሪነርሺፕ ዘትዩ። እቲ ፖሊሲ ኣብ ዓውዲ ኢንተርፕሪነርሺፕ ዝሳለጡ ስራሕቲ ቀፃልነት ሃሊዎም ንዕዉትነት ሃገራዊ ሽቶታት ልምዓት እጃሞም ንክዋፅኡ፣ ባህሊ ፈጠራ ንምጥንኻርን ፀጋ ንምውሳኽን ዘኽእል ምችው ስነ ምህዳር ኢንተርፕሪነርሺፕ ንምህናፅ ተዳሊዉ ዝቐረበ እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ፖሊሲ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታዩ እታዎታት ብምውሳኽ እቲ ፖሊሲ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ካብ ዝፀደቐለ 12 ጥሪ 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
12 ጥሪ 2018 ዓ/ም
ኣዲስ ኣበባ