ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምሕላው ንዲጂታል ዲፕሎማሲ ፍሉይ ትኹረት ሂባ እናሰርሐት እያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምሕላው ንዲጂታል ዲፕሎማሲ ፍሉይ ትኹረት ሂባ እናሰርሐት እያ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 12/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ እዚ ዘበን ብምጥቃም ምስሊ ሃገር ንምልላይ ከምኡ እውን ብሄራዊ ረብሓኣ ንምሕላው ንዲጂታል ዲፕሎማሲ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ እናሰርሐት ከምዝኾነት ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ገሊፁ።
ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዳይሬክተር ዲጂታል ዲፕሎማሲ ስላባት ማናዬ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ዲጂታል ዲፕሎማሲ ብሄራዊ ረብሓ ሓንቲ ሃገር ንምሕላው ብስትራቴጂካዊ መንገዲ ኣብ ረብሓ እናወዓለ ዝርከብ ወሳኒ መሳርሒ እዩ።
ብብርኪ ሃገር ተግባራዊ ዝተገበረ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ንስራሕ ዲጂታል ዲፕሎማሲ ምችው ምህዳር ከምዝፈጠረ ሓቢሮም።
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ኣብ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ትኹረት ዝገብር ስለዝኾነ ነቲ ዓውዲ ዓብይ ዕድል ሒዙ ከምዝመፅእ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ማእኸል ልህቀት ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ኣፍሪካ ንምዃን ንትገብሮ ጉዕዞ እቲ ዓውዲ ሓጋዚ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኣብ ቀፃሊ ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ተገልገልቲ ናብ ቆንሲላታት ብኣካል ምኻድ ከየድለዮም ብስልኮም ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ኣሰራርሓ ከምዝዝርጋሕ እውን ገሊፆም።
ስራሕ ዲፕሎማሲ ቱሪዝም እውን ብዲጂታል ዲፕሎማሲ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ነዚ ድማ ተፈጥሮኣውን ስትራቴጂካውን ፀጋታት ከምኡ እውን ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተሃነፁ መባፅሕታት ቱሪዝም ብዲጂታል ኣማራፅታት ንዓለም ንምልላይ ዝተሳለጠ ስራሕ ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ኣብቲ ዝቀያየር ዓውዲ ቴክኖሎጂ ተዋሳኢ ንምዃን እቲ ሚኒስቴር ሓበሬታ ብምትንታንን ቀዲሙ ብምትንባይን ብሄራዊ ረብሓ ሃገርና ንምኽባር ፍሉይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።