ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል ጥምቀት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም - ኢዜአ ትግርኛ
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል ጥምቀት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 11/2018(ኢዜኣ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል ጥምቀት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ ካብ ዜጋታት ውሽጢ ሃገር ክሳብ ወፃኢ ሃገር ብዙሕ ህዝቢ ዝተረኸበሉ በዓል ጥምቀት እዚ ዓመት ኣብ ታሪኻዊ ባሕረ ጥምቀት ፋሲለደስ ተረኺብና ኣኽቢርና ኢሎም።
ጥምቀት ኣብ ጎንደር ፍሉይ እዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ድምቀቱ፣ ሪኻውነቱን ድባቡን ኩሉ ዝነኣድ እዩ ኢሎም።
በዓል ምግላፅን ዕርቅን ንዝኾነ በዓል ጥምቀት እየሱስ ክርስቶስ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ክብሉ እውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።