ሃይማኖታዊ፣ታሪኻውን ባህላውን ፀጋታት መጠናኸሪ ሕብረ ብሄራዊ ምትእስሳር እዮም-ሚኒስትር ሸዊት ሻንካ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 11/2018 (ኢዜኣ) ሃይማኖታዊ፣ ታሪኻውን ባህላውን ፀጋታት ኢትዮጵያውያን መጠናኸሪ ሕብረ ብሄራዊ ምትእስሳርን ልዕልና ኢትዮጵያ ዝረኣየሎምን ከምዝኾኑ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ገሊፀን።
በዓል ጥምቀት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጃን ሜዳ ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ፣ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ጎብነይቲ ወፃኢ ሃገርን ኣብ ዝተረኸብሉ ብድሙቕ እናተኸበረ እዩ ዝርከብ።



ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ሃይማኖታዊ፣ ታሪኻውን ባህላውን ፀጋታት ኢትዮጵያውያን መጠናኸሪ ሕብረ ብሄራዊ ምትእስሳርን ልዕልና ኡትዮጵያ ዝረኣየሎምን እዮም።
ኢትዮጵያ ብብዝሃ መንነት፣ ሃይማኖትን ዝተፈላለዩ ባህላዊ መግለፅታትን ዝማዕረገት መርኣያ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት እያ ኢለን።
ሕብረ ብሄራዊ መጋየፅታት ኢትዮጵያውያን መግለፂ ሓድነትና እዮም ዝበላ እተን ሚኒስትር፤ ልኣላዊነት ሃገር ዝፈታተኑ ጉዳያት እንተጋጥሙ እቲ ህዝቢ ብሓድነት ጠጠው ንክብል ዝገብሩ እዞም ናይ ሓባር ፀጋታት እዮም ክብላ ተዛሪበን።
በዓል ጥምቀት ካብ ሃገር ሓሊፉ ሓድጊ ዓለም ስለዝኾነ ብብርኪ ዓለም ቀልቢ ብዙሓት ዑደተኛታት ከምዝሰሓበ ገሊፀን።



ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ እቲ በዓል ሃይማኖታውን ባህላውን ትሕዝቶታት ሓልዩ ንክኽበር ንዝገበረቶ ልዑል ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪበን።
እቲ በዓል እንትነኽብር ንሰላምን ብልፅግናን እታ ሃገር ብሓባር ንምስራሕ ቃል ብምእታው ክኸውን ኣለዎ ኢለን። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም