ኣዲስ ኣበባ ሰሓቢትን ንፅህትን ምዃና ንበዓላት ኣደባባይን ቱሪስትታትን ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣዲስ ኣበባ ሰሓቢትን ንፅህትን ምዃና ንበዓላት ኣደባባይን ቱሪስትታትን ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 11/2018 (ኢዜኣ) ኣዲስ ኣበባ ሰሓቢትን ንፅህትን ምዃና ኣብ ደባባይ ንዝኽበሩ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓላት ምችው ኩነታት ብምፍጣር ቁፅሪ ዑደተኛታት ካብ እዋን ናብ እዋን ንክውስኽ ከም ዘኽኣለ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጃንሜዳ ብዓብይ መንፈሳዊ ስነ ስርዓት ኣብ ዝኽበር ዘሎ በዓል ጥምቀት ዝተረኸባ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲኣ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ ኣብ እዋን በዓል ጥምቀት ሕብረ ቀለም ኢትዮጵያ ብግልፂ ዝረኣየሉ እዩ ኢለን።
በዓል ጥምቀት እንትነኽብር ሓድነት፣ ሕብረትን ሕብረ ብሄራዊ ምትሕስሳብን ብምጥንኻር ክኽውን ከምዘለዎ እውን ሓቢረን።
እታ ከተማ ፀርያን ደሚቓን ምርኣያ ንዑደተኛታት ዘለዋ ሰሓብነት ከምዝወሰኾ ብምግላፅ፤ ምስ ትካላት ሃይማኖት ብምውዳድ ምስራሕ ምኽኣሉ ስራሕቲ ልምዓት እታ ከተማ ንምስላጥ ዓብይ ዓቕሚ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኔስኮ ድሕሪ ምምዝጋቡ ዓይኒ ዓለም ናብ ኢትዮጵያ ብምስሓብ በቢዓመቱ መባፅሒት ብርክት ዝበሉ ጎብነይቱ እናኾነት ከም ትርከብ እውን ኣረዲአን።