ባህሪ ምስትውዓልን ጅግንነትን ኢትዮጵያውያን ኣርሒቕካ ብምሕሳብ ኣፅኒዕኻ ምቕፃል ይግባእ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 11 /2018 (ኢዜኣ) ፈታዊ ሓቅነት፣ ትዕግስቲ፣ ባህሪ ምስትውዓልን ጅግንነትን ኢትዮጵያውያን ኣርሒቕካ ብምሕሳብ ኣፅኒዕኻ ምቕፃል ይግባእ ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ ገሊፆም።
ኣብ ታሪኻዊት ከተማ ጎንደር ባሕሪ ጥምቀት ፋሲለደስ በዓል ጥምቀት ሃይማኖታዊ ክብሩን ስርዓቱን ሓልዩ ብድሙቕ እናተኸበረ እዩ ዝርከብ።



ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣከባብራ ኣብ ዘሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ንጎንደር ካብ ዘድምቑ ዓበይቲ መንፈሳውን ሃይማኖታውን በዓላት ጥምቀት እቲ ሓደ እዩ ኢሎም።
ኣሰራት ጥበብ ኪነ ህንፃ ጎንደር እውን ዝረአን ዝድህሰስን ታሪኻዊ ፀጋ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ህዝቢ ጎንደር ከም ካልኦት ኢትዮጵያውያን ንወዲ ሰብ ልዑል ክብርን ፍቕርን ዘለዎ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።



መግለፂ ኢትዮጵያውነት ስኽነትን ምስትውዓልን እዩ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፤ እዚ መንገዲ ለባም ምኽታል ከም ዝግባእ ኣረዲኦም።
ፈታዊ ሓቅነት፣ ትዕግስቲ፣ ባህሪ ምስትውዓልን ጅግንነትን ኢትዮጵያውያን ኣርሒቕካ ብምሕሳብ ኣፅኒዕኻ ምቕፃል ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ሰልፋ ብቕልጡፍ ምስ ዝዓብያን ዝጎዓዛን ሃገራት ክኽውን ኣለዎ ኢሎም።
ኣብ ተለዋዋጢ ኩነታት ዓለም እውን ኢትዮጵያውያን ኣርሒቕካ ምሕሳብን ብዝተረጋዐ ኩነታት ምዕዛብን ከምዝግበ ኣገንዚቦም።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝረኣኹዎ ለውጢ ዝነኣድ እዩ ዝበሉ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ፤ ሓሳብን ወለዶን እንትስማዕማዕ ታሪኽ ምስራሕ ከምዝከኣል ጎንደር መርኣያ እያ ኢሎም።
ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ንዳግማይ ውልደት ከተማ ጎንደር ብተግባሮም ንዝደገፉ ኣካላት ኩሎምን ምስጋና ኣቕሪቦም።
ሓሳብና ተሓፊራን ተኸቢራን እትነብር ኢትዮጵያ ምፅናዕ እዩ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም