መደመር ማለት ድምር ውፅኢት መንግሥቲ፣ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ፣ ተፈጥሮን ናይ ትማሊ ስራሕን እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መደመር ማለት ድምር ውፅኢት መንግሥቲ፣ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ፣ ተፈጥሮን ናይ ትማሊ ስራሕን እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 10/2018(ኢዜኣ) መደመር ማለት ድምር ውፅኢት መንግሥቲ፣ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ፣ ተፈጥሮን ናይ ትማሊ ስራሕን ማለት እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፈላማይ መባፅሒ ስራሕ “ገበታ ለትውልድ” ዝኾነን ኣብ 36. 7 ሄክታር መሬት ጥቕጥቕ ደንን ውህብቶ ሃፍቲ ተፈጥሮን ዝተዘርገሐን ኢኮ ሎጅ ደንቢ ብዕሊ ኣመሪቖም።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ እዚ ሎጅ መፂኡ እንተዝጉብንዮ ኣብ ዓለምና ካብ ዝርከቡ ሙሩፃት ቦታታት እቲ ሓደ ከም ዝኾነ ኣየጠራጥርን ኢሎም።
ኢትዮጵያውያን ብዝተኽኣሎም መጠን ናብ ሚዛን ኣማን ከይዶም ፀጋ ተፈጥሮ ክዕዘቡ ከም ዘለዎም እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ብዘይምህላዉ ናብ ኢኮ ሎጅ ደንቢ ንምኻድ ከም ቅድሚ ሕዚ ኣፀጋሚ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ ካብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክሳብ እቲ ሎጅ ዘሎ መንገዲ ካብ 10 ደቒቓ ከምዘይበልፅ ተዛሪቦም።
መደመር ንሚዛን ኣማን፣ ቤንች፣ ሽኮ ፈጣሪ ዝሃቦ ሃፍቲ ብኣግባቡ ሰሓቢ ገይሩ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል እዩ ክብሉ እውን ኣረዲኦም።
እቲ ከባቢ ብፅባቐ ተፈጥሮ ኣዝዩ ፍሉይ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ፈጣሪ ዝሃቦ ፀጋ ኣፀቢቑ ምጥቃም ኣድላይ እዩ ኢሎም።
መደመር ማለት ድምር ውፅኢት መንግሥቲ፣ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ፣ ተፈጥሮን ናይ ትማሊ ስራሕን እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።
ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣርሒቑ ዝሓስብ፣ ፀጋ ተፈጥሮ ዝተረድኦ፣ ተፈጥሮ ምሕላው ሓላፍነቱ ከምዝኾነ ዝተረድአ ስለዝኾነ እዚ ሎሚ ዝተርኣየ ፅባቐ ንክርከብ ከምዘኽኣለ ሓቢሮም።
ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኩሉ ፅባቐ፣ ፀጋን ሃፍትን ዝተማልአ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሰሓቢ ሃፍትን ፀጋን ገሊፅካ ምርኣይ እተንተዘይተኻኢሉ ተፈጥሮ ኣብ ውሽጢ ሓመድ ከምዝተቐበረ ወርቂ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብምትሕብባር መንግሥትን ህዝብን ምስራሕ እንትጅመር ኢኮ ሎጅ ደንቢ ዝመሰለ ሃፍትን ፅባቐን እናተገለፀ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።