እቲ ሃገራዊ ምኽክር ንኩሎም ክፋላት ማሕበረሰብ ብምስታፍን ዕዉታት ስራሕቲ ብምስላጥን ኣብ ወሳኒ መዛዘሚ ምዕራፍ በፂሑ እዩ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 9/2018 (ኢዜኣ) እቲ ሃገራዊ ምኽክር ንኩሎም ክፋላት ማሕበረሰብ ብምስታፍን ዕዉታት ስራሕቲ ብምስላጥን ኣብ ወሳኒግ መዛዘሚ ምዕራፍ ከምዝበፅሐ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣዩ መሰረታዊ ኣፈላላያት ሓሳብን ዘይምርድዳኣትን ንምፍታሕ ሓቛፊ ብዝኾነ መክዑ ምኽክር ንምክያድ ብቁፅሪ ኣዋጅ 1265/2014 ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝተጣየሸ ዘይሻራዊ ትካል እዩ።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ጉዳይ ኢትዮጵያ ይምልከተና እዩ ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ብንቕሓት ዝተሳተፍሉ ከይዲ ምኽክር እናሳለጠ እዩ ዝርከብ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ከምኡ እውን ኣብ ወፃኢ ሃገር ኣጀንዳ ብምእካብን ተሳተፍቲ እቲ ዋና ከይዲ ምኽክር ብምፍላይን ዕዉት ስራሕ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ኣብቲ ከይዲ ምኽክር ብዙሓት ማሕበራት፣ ሲቪል ማሕበራት፣መምህራን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብን ከምዝተሳተፉ እውን ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያውያን ንሃገሮም ይጠቅም እዩ ዝበልዎ ሓሳብ ዘዋፅእሉ ብዓይነቱ ፍሉይን ዕዉትን ከይዲ ምምኽክር ከምዝተሳለጠ ተዛሪቦም።
ከይዲ መዛዘሚ ምዕራፍ ምኽክር ተግባራዊ ንምግባርን ንምምራሕን ዘኽእል ስልቲ ከምዝተሓንፀፀ ብምግላፅ፤ እቲ ዝተረፈ ስራሕ ብዓወት ንክዛዘም ኩሉ እጃሙ ንክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብዛዕባ ክልል ትግራይ ዝምልከት እውን በቲ ሃገራዊ ምኽክር ክምለሱ ዝግበኦም ሕቶታት ብዝተፈላለዩ ኣወዳድባታት ምቕራቦም ገሊፆም።
ዝተፈላለዩ ማሕበራትን መማህራን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ነቲ ክልል ዝምልከቱ ጉዳያት ኣብቲ ዘተ ከምዘልዓሉ ብምሕባር፤ ሓይልታት ፖለቲካ እውን ሕቶኦም ብሰነድ ከምዘቕረቡ ኣብራህሪሆም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዉ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብቲ ዝዛዘም ዘሎ ከይዲ ምኽክር ብንቕሓት ብምስታፍ ንዕዉትነት እቲ ምኽክር እጃሞም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም