ውፅኢታዊ ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ንኣታዊ ትካላት ልምዓት መንግሥቲ ብዝለዓለ ብርኪ እናዕበዮ እዩ ዝርከብ - ኢዜአ ትግርኛ
ውፅኢታዊ ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ንኣታዊ ትካላት ልምዓት መንግሥቲ ብዝለዓለ ብርኪ እናዕበዮ እዩ ዝርከብ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 9/2018(ኢዜኣ) ኣብ ትሕቲ ሆልዲንግስ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዝመሓደሩ ትካላት ልምዓት መንግሥቲ ውፅኢታዊ ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ብምኽታሎም ኣታዊኦም ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ከምዝመፀ ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ሆልዲንግ ኣይተ ሃብታሙ ሃይለሚካኤል ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ቁልፊ ትካላት መንግስትን ካልኦት ትካላት ፋይናንስን ዘተኣኻኸበ ኮንፈረንስ “ዝላ ፋይናንስ ኣብ ኢትዮጵያ” ተኻይዱ።
ኣብቲ መድረኽ እውን ኣብ 2014 ዓ/ም ዝተጣየሸ ሆልዲንግስ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ 41 ትካላት ልምዓት መንግሥቲ ናብ ሓደ ብምእካብ ስራሕ ምፍላጥ ሃፍቲ፣ምምሕዳር ተበታቲኑ ዝፀንሐ ሃፍቲ ተግባራዊ እናኾነ ከምዝርከብ ተገሊፁ።
ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሆልዲንግስ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣይተ ሃብታሙ ሃይለሚካኤል፤ ትርፋማነትን ውፅኢታውነትን ኣብ ትሕቲ እቲ ሆልዲንግስ ዝርከቡ ኩባንያታት ንምርግጋፅ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
ስለዝኾነ ድማ እቶም ትካላት ውፅኢታዊ ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ብምኽታል ካብ እዋን ናብ እዋን ኣታዊኦም እናዓበየ ከምዝመፀ ተዛሪቦም።
ኣብ ትሕቲ ሆልዲንግስ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ካብ ዝመሓደሩ ትካላት ኣብ 6 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ትሪሊዮን ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ኣረዲኦም።
እቲ ኣታዊ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነፃፀር 51 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ትሕቲ እቲ ሆልዲንግ ዝመሓደሩ ትካላት ልምዓት ከከም መጠን ሃፍቶም ኣታዊ ከምዘእተዉ ብምሕባር፤ ነቲ ዝተረኸበ ኣታዊ ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዘለዉ ትካላት ልዑል ብፅሒት ኣለዎም ኢሎም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ኢትዮ-ቴሌኮም፣ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፣ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ትካል ኣቕራቢ ነዳዲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝተረኸበ ኣታዊ 80 ሚኢታዊ ከምዝሽፍኑ ኣብራህሪሆም።