ኢትዮጵያ ንወለዶ ኣድላይ ዝኾኑ ትካላት ብምፍጣርን እቶም ዘለዉ ብምምዕባልን ጠንካራ መሰረት እናሃነፀት እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 9/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንወለዶ ኣድላይ ዝኾኑ ትካላት ብምፍጣርን እቶም ዘለዉ ብምምዕባልን ድሌት ኢኮኖምን በዝሒ ህዝብን እታ ሃገር ምሽካም ዝኽእል ጠንካራ መሰረት እናሃነፀት ከምዝኾነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) "ፀብለልታ ፋይናንስ ኣብ ኢትዮጵያ" ብዝብል ኣብ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ ከምዝበልዎ፤ ጉዳይ ምጥንኻር ትካላት መበገሲኡ ድሌት እዩ።
መንግሥቲ ከዐውቶም ዝደሊ ሽቶታት ውፅኢታዊ ንምግባር ህንፀት ትካላት ቀንዲ መሳርሒ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ጠቓሚ ሓሳብ ብትካላት ተደጊፉ ናብ ተግባር እንተዘይተለዊጡ ትርጉም የብሉን ኢሎም።



ሓሳባት ህንፀት ትካላት ካብ ውልቀ ሰባት ሓሊፎም ንብዙሓት ንክኾኑ ዘኽእል ዓምዲ ለውጢ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ውፅኢታዊ ትካል ብሕግን ስርዓትን ዝምራሕ፣ንተገልገልቱ ዝእመን፣ግልፅነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ከምኡ እውን ንቐፃሊ ምቕፃል ዘኽእል ፅኑዕ መሰረት ዝሓዘ ክኸውን ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ዓውዲ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ንምቕያር ሃገር ቦቆል ኣጀንዳ ኢኮኖሚ እንትቕረፅ ነባር ትካላት ናይ ምምዕባል ስራሕ ከምዝተሳለጠ ብምግላፅ፤ ካልኦት ድማ ሓዱሽ ብምጥያሽ ናብ ስራሕ ንክኣትዉ ከምዝተገበረ ገሊፆም።
ቅድሚ ሕዚ ከም ኢትዮጵያ ዝበለት ዓብይ ኢኮኖሚ ዘለዋ ሃገር ካፒታል ዕዳጋ ከምዘይነበራ ከም ኣብነት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓደሽቲ ኣሰራርሓታትን ኣመራርሓታትን ሒዞም ዝመፁ ትካላት ለውጥታት እናመዝገቡ እዮም ኢሎም።
ኢትዮጵያ እናማዕበለት ኣብ ዘላትሉ ከይዲ ተመሳሰልቲ ትካላት እንተዘይተሃኒፆም ሓሳባት ተሳጊርካ ንወለዶ ምብፃሕን ውፅኢት ምምፃእን ከምዘይከኣል እውን ኣረዲኦም።
እቶም ዘለዉ ትካላት ምምዕባልን ዝጎደሉ ምምላእን ነዚ ዘበን ብዝምጥን ኣግባብ ምስራሕ ሕልሚ ካብ ዘለዎ ሃገርን ኩባንያን ትፅቢት ዝግበር ተግባር ከምዝኾነ ኣብራህሪሆም።
ኢትዮጵያ ንወለዶ ኣድላይ ዝኾኑ ትካላት ብምፍጣርን እቶም ዘለዉ ብምምዕባልን ኢኮኖምን በዝሒ ህዝብን እታ ሃገር ምሽካም ዝኽእል ጠንካራ መሰረት እናሃነፀት ከምዝኾነት እውን ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም