ኣብ ከይዲ ምርግጋፅ ብልፅግና ሃገር ተዋሳእቲ ኢንቨስትመንት ግቡእ እጃም ንከበርክቱ ምችው ኩነታት እናተፈጠሩ እዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 8/2018(ኢዜኣ) ኣብ ከይዲ ምርግጋፅ ብልፅግና ሃገር ተዋሳእቲ ኢንቨስትመንት ግቡእ እጃም ንከበርክቱ ምችው ኩነታት እናተፈጠሩ ከምዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኮንፈረንስ "ፀብለልታ ፋይናንስ ኣብ ኢትዮጵያ" ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ ከምዝበልዎ፤ ብመሰረት ኣተሓሳስባ መደመር መንግስትን ዓውዲ ውልቀን እጃሞም ተለኪዑን ተፈሊጡን ብኡኡ ልክዕ ክንቀሳቐሱ ይግበኦም።



ዓውዲ ውልቀ ዘዳኽም ምንቅስቓስ ምኽታል ሓደሽቲ ፈጠራታት ከምዘጥፍእ ብምግላፅ፤ ምድኻም ፈጠራ ንፈጠራ ዕድል ስራሕን ዕቤት ሃገርን ዓብይ ዕንቅፋት ከምዝኾነ እውን ኣብራህሪሆም።
ስለዝኾነ ድማ መንግሥቲ ዓውዲ ውልቀን ሓደሽቲ ፈጠርቲ ስራሕ(ስታርትኣፓት)ን ንክጠናኸሩ ዝነኣዱ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ከም መዳበሪያን ኢነርጅን ዝበሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት መልክዕ ምሓዞም ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ንምኽባር ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎም እውን ተዛሪቦም።
ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባ ኣዲስ ኣበባ ንኢንቨስትመንት ዓውዲ ውልቀ ዝፈጠሮ ዕድል ከም ኣብነት ብምሕባር፤ ኣብ የማንን ፀጋምን እቲ ልምዓት ብዘለዉ ከም ሞል፣ ሬስቶራንትን ካልኦት ንግድታትን ከባቢ 1 ነጥቢ 3 ትሪልዮን ብር ኢንቨስትመንት ምስሓብ ከምዝተኽኣለ ኣረዲኦም።
ኣብ መንጎ መንግስትን ዓውዲ ውልቀን ዘሎ ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ትካላት ልምዓት መንግሥቲ እውን ዓብይ ፀብለልታ ንከምፅኡ እናተገበረ እዩ ኢሎም።
ነዚ ድማ ከም ኢትዮ ቴሌኮምን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ዝበሉ ትካላት ዘመዝግብዎ ዘለዉ ዓወት መርኣያ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እቲ ዲያስፖራ ኣብ ጉዳይ ልምዓት ሃገሩ ግንባር ቀደም ተሳታፊ ንክኸውን መንግሥቲ ዝጀመሮ መተባብዒ ስራሕ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ እውን ኣረጋጊፆም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም