ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 8/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ምክትል ዋና ፀሓፊ ጉዳያት ፖለቲካ ኣገልግሎት ጉዳይ ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ ኦሎፍ ስኩግ ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ምክትል ዋና ፀሓፊ ጉዳያት ፖለቲካ ኣገልግሎት ጉዳይ ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ ኦሎፍ ስኩግ ትማሊ ዘትዮም።
እቶም ምክትል ዋና ፀሓፊ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ምስ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሕብረት ኣውሮፓን ኢትዮጵያን ዘሎ ርክብ ሃናፂ ዘተ ምግባሮም ሓቢሮም።
ሕብረት ኣውሮፓ ንመመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ደገፍ እናገበረ ከምዝፀንሐ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዓውድታት ንግድን ኢንቨስትመንትን ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።
እቲ ሕብረት ምስ ሃገራት ዘለዎ ክልቲኣዊ ኢኮኖሚያውን ልምዓታውን ምትሕብባር ካብ ምጥንኻር ብተወሳኺ ዞባዊ ምትእስሳር ዘተባብዕ ግሎባል ጌትዌይ ዝተብሃለ ኢኒሼቲቭ ተግባራዊ እናገበረ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም