ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኩሎም ዓውድታት ተረባሕነት ህዝቢ ንምዕባይ ዝጀመሮም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ሆሳእና/ጥሪ 8/2018(ኢዜኣ) ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኩሎም ዓውድታት ተረባሕነት ህዝቢ ንምዕባይ ዝጀመሮም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፓርትን ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ኣብ ከተማ ሆሳእና ክካየድ ዝቐነየ መድረኽ ግምገማ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ምርግጋዕ ዕዳጋን ዝተሳለጡ ስራሕቲ ብምግምጋም ተዛዚሙ።



ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣንፈት ብዝሃ ዓውዲ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ብምግባር ጭቡጥ ውፅኢት ተረኺቡ እዩ።
ክእለት መሪሕ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ተግባራዊ ብምግባር ተረባሕነት ዕድል ስራሕ ዜጋታት ንምስፋሕ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ተስፋ ዘለዎም ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ ተዛሪቦም።
ምፍላይ ስራሕ ስኡን፣ነባር ኢንተርፕራይዛት ምጥንኻርን ስራሕ ትካላት ምዘና ብቕዓት ብፅሬት ንክሳለጥን ብፍሉይ ትኹረት ምምራሕ ይግባእ ኢሎም።
ዕዳጋ ንምርግጋዕ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ካብ እዋን ናብ እዋን ምምሕያሻት ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ እዚ ንምጥንኻር ቀረብ ንምዕባይ ብትኹረት ከምዝስራሕ እውን ኣረዲኦም።
ነዚ ድማ ማእኸላት ዕዳጋ ምስፋሕ፣ፅሬት ፍርያት ምርግጋፅ፣ንማሕበራት ሕብረት ስራሕ ምድጋፍን ሓደ ሽቶ እቲ ፓርቲ ዝኾነ ደረጅኡ ዝሓለወ ዘበናዊ ማእኸል ዕዳጋ ኣብ ስራሕ ህንፀት ሓንቲ ከተማ ምጥንኻርን ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ብሓፈሻ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ተረባሕነት ህዝቢ ንምዕባይ ዝጀመሮም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ተዛሪቦም።
ነዚ ድማ በቢ ዓውዱ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ዝተረኸቡ ዓወታት ብምዕባይን ንዝገጥሙ ፈተናታት ኣንፈት መፍትሒ ብምቕማጥን እቲ ዝድለ ውፅኢት ንምምዝጋብ ቆራፅነት እቲ ኣመራርሓ ኣድላይ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣብቲ መድረኽ፤ ሓለፍቲ ጨንፈር ኣብያተ ፅሕፈትን ኣመራርሓ ክንፊ መናእሰይን ፓርቲ ብልፅግና ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም