እቲ ዝተመሓየሸ ሃገር ለኸ ፖሊሲ ስፖርት ኩለ መዳያዊ ዕቤት ስፖርት ኢትዮጵያ ዘረጋግፅ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ዝተመሓየሸ ሃገር ለኸ ፖሊሲ ስፖርት ኩለ መዳያዊ ዕቤት ስፖርት ኢትዮጵያ ዘረጋግፅ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 8/2018(ኢዜኣ) እቲ ዝተመሓየሸ ሃገር ለኸ ፖሊሲ ስፖርት ኩለ መዳያዊ ዕቤት ስፖርት ኢትዮጵያ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ስፖርትን ባህልን መኪዩ መሀመድ ገሊፆም።
መንግሥቲ መደመር ንልምዓት ስፖርት ልዑል ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ እንትኸውን ኣብዚ መዳይ ኣብቲ ዓውዲ ጭቡጥ ለውጢ ዝርከበሎም ስጉምትታት እናወሰደ እዩ ዝርከብ።
ናይዚ መርኣያ ዝኾነ ዝተመሓየሸ ሃገር ለኸ ፖሊሲ ስፖርት ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት 28 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ከምዝፀደቐ ዝፍለጥ እዩ።
ሚኒስትር ዲኤታ ስፖርትን ባህልን መኪዩ መሀመድ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ እቲ ዝተመሓየሸ ሃገር ለኸ ፖሊሲ ስፖርት ልምዓትን ኩለ መዳያዊ ዕቤትን ዓውዲ ስፖርት ዘረጋግፅ እዩ።
እቲ ፖሊሲ ኣብቲ ዓውዲ ዝነበሩ ፀገማት ብዝርዝር ከምዝገምገመ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ልምዓት ስፖርት እታ ሃገር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግር ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ልምዓት ስፖርት ሙሉእ ብሙሉእ ብዝበሃል ብርኪ ብመንግሥቲ ይሳለጥ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ግና ዓውዲ ውልቀ ብሰፊሑ ንምስታፍ ዕድል ዝህብ እዩ ኢሎም።
እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ልምዓት ስፖርት ብምትሕብባር መንግሥቲ፣ህዝብን ዓውዲ ውልቀን ንክሳለጥ ከምዘኽእል እውን ተዛሪቦም።