ሕብረት ኣውሮፓን እተን ኣባል ሃገራትን እሙናት መሓዙት ኢትዮጵያ እዮም-ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 7/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣውሮፓን እተን ኣባል ሃገራትን እሙናት መሓዙት ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ  ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ንምክትል ዋና ፀሓፊ ጉዳያት ፖለቲካ ኣገልግሎት ጉዳይ ወፃኢ ኣውሮፓ ኡሎፍ ስኩጊን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።



ሕብረት ኣውሮፓን እተን ኣባል ሃገራትን እሙናት መሓዙት ኢትዮጵያ ምዃኖም ዝገለፁ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር)፤ እቲ ርክብ ኣብ ሓባራዊ ፀጋታትን ተስፋታትን መሰረት ዝገበረ ወሳኒ ምሕዝነት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ንዞባዊ ውህደት እትገብሮ ፃዕሪ ብምሕባር፤ እቲ ምንቅስቓስ ምስ ኢንሼቲቭ ግሎባል ጌትዌይ ሕብረት ኣውሮፓ(Global Gateway initiative) ዝጠዓዓምም ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኣብቲ ዞባ ኢኮኖሚያዊ ውህደት ንምዕባይ ዘለዋ ቆራፅነት እውን ኣብሪሆም።
እቲ ዝሳለጥ ዘሎ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝፈጠሮ ምችው ዕድል ኢንቨስትመንት ኩባንያታት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ዝበለፀ ተሳትፎ ኢንቨስትመንት ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኡሎፍ ስኩጊን ብግደኦም፤ እቲ ሕብረት ንመመሓየሽታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነትን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣረጋጊፆም።
ኢትዮጵያ ኣዳላዊት ኮፕ 32 ኮይና ብምምራፃ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ዘመሓላለፉ እንትኸውን፤ ጅማሮታት ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብ ሽቶኦም ንምብፃሕ እቲ ሕብረት ኣድላይ ደገፍ ክገብር እዩ ኢሎም።
ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ከምዘመላኽቶ፤ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘተኦም ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ጠመተ ኣብ ዝገበሩ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም