ምርግጋፅ ህንፀትን ድልዉነትን ትካላት ዓበይቲ ሓላፍነት መንግሥቲ እዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 7/2018(ኢዜኣ) ምርግጋፅ ህንፀትን ድልዉነትን ትካላት ዓበይቲ ሓላፍነት መንግሥቲ እዮም ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ሰዓት ዝተገበረ ቁልፊ ፋይናንስ መንግሥትን ካልኦት ትካላት ፋይናንስን ሃገርና ዘተኣኻኸበ ኮንፈረንስ “ፀብለልታ ፋይናንስ ኢትዮጵያ” ጉዕዞ ዝሳለጥ ዘሎ ሪፎርም ኢኮኖሚ ምልስ ኢልካ ንምግምጋምን ቀዳምነት ምልከታ መፃኢ እዋን ንምቕማጥን ዝሓገዘ ጠቓሚ መድረኽ ኔሩ ኢሎም።



ምርግጋፅ ህንፀትን ድልዉነትን ትካላት ዓበይቲ ሓላፍነት መንግሥቲ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
በዚ ዝተልዓለ እዩ ዓውዲ ፋይናንስን ኢኮኖምን ሃገርና ንምጥንኻር ዝተሓሰበሎም ሰፋሕቲ ስጉምትታት ዝወሰድና ክብሉ ኣረዲኦም።
ኣብ ሪፎርም ፊስካል ምምሕዳር፣ዓውዲ ሞኒተሪን ፋይናንስን፣ምምሕዳር ኣታዊ፣ ምምሕዳር ካፒታል ዕዳጋ፣ ምምሕዳር ኢንቨስትመንትን ምምሕዳር ትካላት ልምዓት መንግሥትን ዘመዝገብናዮም ዓወታት ንምፅናዕ ዝሓገዘን ኣድላይነት ቅልጣፈ ጉዕዞ እቶም ሪፎርማት ኣፅኒዕኻ ምጉዓዝን ምዕባይ እቲ ሰፊሕ ኣጀንዳ ስግግር ኢኮኖሚን ንምርዳእ ዝሓገዘ መድረኽ ኔሩ ክብሉ ኣረዲኦም ኣብ መልእኽቶም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም