ትልምታትን ኣተሓሳስባታትን ፓርቲ ብልፅግና ዝጭበጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ሆሳእና/ጥሪ 7/2018(ኢዜኣ) ትልምታትን ኣተሓሳስባታትን ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኩሎም ከባብታት ዝጭበጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም ከምዝኾነ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲን ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
መድረኽ ግምገማ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ከተማ ሆሳእና እናተኻየደ እንትኸውን ፀብፃብ ጨንፈር ኣብያተ ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ቀሪቡ ተዘትይሉ።



ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ካብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝቐረበ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ትልምታትን ኣተሓሳስባታትን ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኩሎም ከባብታ ተቐባልነት ህዝቢ ብምርካብ ተግባራዊ እናኾኑ ምዃኖም እዩ ዘርኢ።
ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ንውፅኢታውነት ስራሕቲ እቲ ፓርቲ ዝሕግዝ ዝተናበበ ትልሚ ኣብ ምድላው ከምኡ እውን ኣተሓሳስባ እቲ ፓርቲ ብምርዳእ ብስነ ምግባር ዝፍፅም ጠንካራ ኣመራርሓ ኣብ ምብቃዕ ብዝተሰርሐ ስራሕ ምምሕያሻት ከምዝተርኣዩ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት እውን ካብቲ ህዝቢ ዝለዓሉ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ንምፍታሕ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብምስፋሕ ውፅኢት እናተረኸበ እዩ ኢሎም።



ብተወሳኺ እውን ስራሕ ልምዓት ኮሪደርን ትሩፋት ሌማትን ሓዊሱ ካልኦት ኣተሓሳስባታት እቲ ፓርቲ ተግባራዊ ኣብ ምግባር እቲ ህዝቢ ተሓባበሪ ኮይኑ ብምስርሑ ዝጭበጡ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ኣረዲኦም።
ኣብ ኩሎም ከባብታት ስራሕቲ ምቅልጣፍ ልምዓትን ምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳርን ሕዚ እውን ብዝተጠናኸረ መልክዑ ከምዝቕፅሉ ብምግላፅ፤ ፍትሓዊ ተረባሕነት እቲ ህዝቢ ንምርግጋፅ በቲ ፓርቲ ዝተትሓዙ ኩለ መዳያዊ ኣጀንዳታት ዕቤትን ትራንስፎርሜሽንን ንምዕዋት ብትኹረት ምስራሕ ከምዝግባእ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም