ፀብለልታ ፋይናንስ ኣብ ኢትዮጵያ

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) “ፀብለልታ ፋይናንስ ኣብ ኢትዮጵያ” ብዝብል ኣብ ዝተዳለወ፣ኣፈፃፅማ 6 ስርዓት ፋይናንስን ኣታውን ሃገርና ኣብ ምምራሕ ዘለዉ ዓበይቲ ትካላት ኣብ ዝግምግምሉን ንዝቕፅሉ 5 ዓመታት ዝህልዎም ስትራቴጂካዊ ቀዳምነት ምልከታ ኣብ ዝገበርሉን ኮንፈረንስ ተረኺቦም።



ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብ ሓቓፍነት ፋይናንስ ጭቡጥ ዕቤት ዝተረኸበሎምን ሰፊሕ መባፅሒ ዘለዎምን ሪፎርማት ማክሮ ኢኮኖሚ ገይራ እያ።



ካብ ስርዓት ዕዳጋ መሪሕ ሸርፊ ወፃኢ ክሳብ ኣፈፃፅማ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ከምኡ እውን ክሳብ ዲጂታል ስርዓት ክፍሊት ኣፈፃፅማ እዞም 5 ዓመታት ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ተወዳዳሪነት ብዘዕብዩ ብቆራፅን ዕዉታት ስራሕትን መንግሥቲ ዝግለፅ እዩ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም