ትግበራ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታትን ዕቤት ሃገርን መሰረት ዝገበረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ትግበራ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታትን ዕቤት ሃገርን መሰረት ዝገበረ እዩ
መቐለ/ጥሪ 7/2018(ኢዜኣ) ትግበራ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታትን ዕቤት ሃገርን መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ተዛሪቦም።
ትግበራ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ብዓወት ብምዝዛም ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት ተግባራዊ ዝግበር ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ኣብ ቀረባ እዋን ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዕላዊ ምግባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ትግበራን ቀፃሊ ትልምታትን ዲጂታል ልምዓት ኣመልኪቱ ኢዜኣ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ዘዘራረቦም ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ፤ ትግበራ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታትን ዕቤት ሃገርን መሰረት ዝገበረ እዩ ኢሎም።
ኣብ ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ግብርና ኢትዮጵያ ጨንፈር ክልል ትግራይ ላዕለዋይ ተመራማሪ ሕርሻን ባዮ ቴክኖሎጅን እያሱ ኣብርሃ(ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዲጂታል ትልምን ተግባራዊ ምንቅስቓስን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነኣድ ጉዕዞ ከምትርከብ ብተግባር እናተርኣየ እዩ።
ትግበራ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ካብቲ ዝበሃል ዝበለፀ ዓብይ ዓወት ዝተመዝገበሉ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ስትራቴጂክ ትልሚ ቀፃሊ 5 ዓመታት እውን ብውፅኢታውነት ተግባራዊ ከምዝኸውን ሓቢሮም።
ትልሚ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ካብ ገጠር ክሳብ ከተማ ሓቛፊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ድማ ነቲ ሓረስታይ ሓፈሻዊ ሓበሬታ፣ኩነታት ዕዳጋ ፍርያት፣ቀረብ ልቓሕን ኣገልግሎታትን ብዲጂታል ምጥቃም ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ግብርና ኢትዮጵያ መተሓባበሪ ጨንፈር ክልል ትግራይ ኣብርሃ ኪዳነማርያም(ዶ/ር) ብግደኦም፤ ስትራቴጂክ ትግበራ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ተበፃሕነት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ቴሌኮሙኒኬሽንን መሰረት ዝገበረ ስለዝኾነ ኣብ ገጠር ይኹን ከተማ ፍትሓዊ ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም።
ሜካናይዜሽን ግብርና ንምዕዋትን ምንቅስቓስ ገንዘብ ሓረስታይ ብምምዕባል ብቐሊሉ ኣገልግሎት ልቓሕን ኣማራፂ ዕዳጋን ንክርእን ዓብይ ዕድል ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ንዕዉትነት እቲ ትልሚ ፃዕሪ መንግሥቲ ከምዘለዎ ኮይኑ ጠንካራ ተሳትፎ ዓውዲ ውልቀ እውን ኣድላይ ከምዝኾን ዝገለፁ እቶም ሰብ ሞያ፤ ጉዕዞ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ክነዐዉቶ ይግባእ ኢሎም።