ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ዝተፈጠረ ምችው ኩነታት ዝለዓለ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ዘለዎም ኢንዱስትሪታት እናሰሓበ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ዝተፈጠረ ምችው ኩነታት ዝለዓለ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ዘለዎም ኢንዱስትሪታት እናሰሓበ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 7/2018(ኢዜኣ) መንግሥቲ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ዝፈጠሮ ምችው መደላድል ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ዝርከበሎምን ዝለዓለ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ዘለዎምን ኢንዱስትሪታት ናብ ውሽጢ ሃገር ንክኣትዉ ዓቕሚ እናፈጠረ ከምዝኾነ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።
ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ትማሊ ንምንቅስቓስ ስራሕ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ዓለም ለኸ ቀሊል ኢንዱስትሪ ሁዋጂያን ተዓዚቦም።
እቶም ሚኒስትር፤ እቲ ዑደት ብዋናነት ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ዝተዋፈሩ ኢንዱስትሪታት ዘለዎም ምንቅስቓስ ስራሕ ብምፍታሽን ብመንግሥቲ ክግበረሎም ዝግባእ ደገፍ ብምፍላይን ኣብ ቀፃሊ ኣድላይ ደገፍ ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ቅድሚ ሕዚ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ኣብ ዝተወሰኑ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ይዋፈሩ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር፤ ሕዚ ግና ነዚ ዘበን ዝምጥኑን ቴክኖሎጂ መሰረት ኣብ ዝገበሩን ኢንቨስትመንትታት ንምውፋር ዘለዎም ድሌት እናዓበየ ከምዝመፀ ኣረዲኦም።
መንግሥቲ ኢትዮጵያ ንኢንቨስትመንት ዘተባብዕ ፖሊሲ ተግባራዊ ምግባሩ፣ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምምሕያሹን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ኣብቲ ዓውዲ ምውፋሩን ንዕቤት እቲ ድሌት መሰረት ከምዘንበረ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ካብ ኢንቨስትመንት እትረኽቦ ሸርፊ ወፃኢ እናዓበየ ከምዝመፀ ተዛሪቦም።
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ሰናይ ዕድል ሒዙ ከምዝመፀ እውን ኣፍሊጦም።
ምክትል ፕሬዚዳንት ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ኣምባሳደር ተፈሪ መለሰ ብግደኦም፤ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብቲ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሶላር ሴል ዘፍሪ ኩባንያ ናብ ስራሕ ከምዝተኣወ ኣረዲኦም።
እቲ ኩባንያ ስርሑ ኣብ ክልተ ምዕራፍ ከምዘሳልጥ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ፈላማይ ምዕራፍ ሴላት ሶላር ብምፍራይን ናብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ብምቕራብን 100 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ትልሚ ሒዙ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።