ኣብቲ ክልል ኣፈላላያት ብዘተ ብምፍታሕ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብቲ ክልል ኣፈላላያት ብዘተ ብምፍታሕ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 7/2018(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣፈላላያት ብዘተ ብምፍታሕ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ እውነቴ ኣለነ ገሊፆም።
ብምትሕብባር ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ቢሮ ኮሙኒኬሽን ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ክልል ኣምሓራን ዝተዳለወ ዘተ ፓነል "ሰላም ምፅናዕ፤ ፀጋ ንምልማዕ" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደን፣ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እውነቴ ኣለነ፣ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ሰይፈ ደርቤን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ እውነቴ ኣለነ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሰላም ንህንፀት ዕቤት ሃገርን ስርዓት ዲሞክራስን ወሳኒ እጃም ኣለዎ።
ከም ሃገር ዘይምርድዳኣት ብዘላቕነት ንምፍታሕ መንግሥቲ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣጣይሹ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ሕዚ እዋን ሃገራዊ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ምፅዋዕ ኣብ ዘኽእል ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ኣፈላላያት ብዘተ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ንክዓቢ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዝተባብዑ ከምዝኾኑ ብፅራሕ፤ እዚ ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ድሌትካ ብሓይሊ ምፍፃም እዋኑ ዝሓለፎ ኣካይዳ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ሰይፈ ደርቤ ብግደኦም፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰፊሕ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ፀጋ ከምዘሎን እዞም ፀጋታት ብኣግባቡ ንምጥቃም ሰላም ምፅናዕ ወሳኒ ከምዝኾነን ገሊፆም።
ኢዜኣ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ንህንፀት ሰላም ዝጠቕሙ ሓበሬታታት ናብ ህዝቢ ተበፃሒ ንምግባርን ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ዘተ ፓነል እውን ኣካል እዚ እዩ ኢሎም።
ሓላፊ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣባይ መንግስቴ ሰላም ኣብ ምፅናዕ ትካላት ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ወሰንቲ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
እዚ መድረኽ ኣብቲ ክልል ሰላም ኣፅኒዕኻ ፀጋ ንምልማዕ ዝግበር ጉዕዞ ንምቅልጣፍ ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።