"ሰላም ምፅናዕ፤ ፀጋ ንምልማዕ" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዘተ ፓነል ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 7/2018(ኢዜኣ) ብምትሕብባር ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ቢሮ ኮሙኒኬሽን ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ክልል ኣምሓራን ዝተዳለወ ዘተ ፓነል "ሰላም ምፅናዕ፤ ፀጋ ንምልማዕ" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደን፣ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እውነቴ ኣለነ፣ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ሰይፈ ደርቤን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣብቲ ዘተ፤ ሃገራዊ ምኽክርን ህንፀት ሰላምን፣ ኣብቲ ክልል ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሰላምን ፀጥታን ዝምልከት ፅሑፍ ቀሪቡ እናተዘተየሉ እዩ።
ብተወሳኺ እውን ተስፋታት ምልማዕ እቲ ክልል፣ ተረባሕነት ህዝቢ፣ ፀጋታትን ኣማራፅታት ኢንቨስትመንትን እቲ ክልል ዝድህስስ ፅሑፍ ቀሪቡ ከምዝዝተየሉ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም