ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ብንቕሓት ብምስታፍ ዝፀንሑ ፀገማት ብምኽክር ብምፍታሕ ነዚ ወለዶ እትምችው ጠንካራ ሃገር ብሓባር ክንሃንፅ ኢና

ሽረ እንዳስላሰ/ጥሪ 7/2018(ኢዜኣ) ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ብንቕሓት ብምስታፍ ዝፀንሑ ፀገማት ብምኽክር ብምፍታሕ ነዚ ወለዶ እትምችው ጠንካራ ሃገር ብሓባር ክንሃንፅ ኢና ክብሉ ኣብ ክልል ትግራይ መናእሰይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ገሊፆም።
ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኢዜኣ ዘዘራረቦም መናእሰይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ፤ ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ብንቕሓት ብምስታፍ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሞም ንምውፃእ ድሉዋት ምዃኖም ተዛሪቦም።
በቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝፀንሑ ፀገማት ብምኽክር ብምፍታሕ ነዚ ወለዶ እትምችው ጠንካራ ሃገር ብሓባር ምህናፅ ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ካብቶም ርኢቶ ዝሃቡ መናእሰይ እታ ከተማ ኤፍሬም ሰለሞን፤ ብምኽክር ዝፀንሑ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብፍላይ ድማ ንሕና መናእሰይ ዝለዓለ እጃም ይፅበየና ክብል ተዛሪቡ።
መፃኢ ዕድል መናእሰይን ቀፃሊ ወለዶን ዝውሰን ሎሚ ሰላም ዝዓሰላ፣ዝተረጋግዐትን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ዝሳለጡላን ሃገር ምህናፅ እንትከኣል እዩ ኢሉ።
ካሊእ መንእሰይ ነባሪ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝኾነ ኣታኽልቲ ኣማረ ብግድኡ፤ እቲ ከይዲ ምኽክር እናተጠራቐሙ ዝመፁ ፀገማት ንምፍታሕ ታሪኻዊ ዕድል ስለዝኾነ ህዝቢ ክልል ትግራይ እውን ከም ካልኦት ህዝብታት ክልላት ዝመኽረሉ ዕድል ክፍጠረሉ ከምዝግባእ ገሊፁ።
ስለዝኾነ ድማ ዘላቒ ሰላም ዝዓሰላ ሃገር ንምህናፅ ሎሚ ብሓባር መኺርና ፀገማትና ምፍታሕ ናይ ኩላትና ግቡእ እዩ ኢሉ።
ምኽንያታት ኣፈላላይን ዘይምርድዳእን ብምኽክር ንምፍታሕ እቲ ከይዲ ምኽክር ነዚ ወለዶ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ዝገለፀት ድማ መንእሰይ ንግስተይ ሸዊት እያ።
ንዕዉትነት እቲ ምኽክር ተሳትፎ ዜጋታት ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ድማ መናእሰይ ዓብይ ሓላፍነት ስለዘለዎም ንኩለ መዳያዊ ፃዕሪ እቲ ኮሚሽን ምኽክር ደገፍ ንምግባር ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊፃ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም