ፖሊስ ፌዴራል ሻዕብያ ብሽም ፋኖ ንዝነግዱ ሸፋቱ ንምዕጣቕ ብሕቡእ ዝለኣኾ ልዕሊ 56 ሽሕ ዝተፈላለዩ መሳርሒ ኲናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 6/2018(ኢዜኣ) ፖሊስ ፌዴራል ሻዕብያ ብሽም ፋኖ ንዝነግዱ ሸፋቱ ንምዕጣቕ ብሕቡእ ዝለኣኾ ልዕሊ 56 ሽሕ ዝተፈላለዩ መሳርሒ ኲናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ገሊፁ።
ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀጥታ ብምውዳድ ሻዕብያ ምስ ባንዳታትን ታሪኻዊ ፀላእትን ብምትሕብባር ሰላም ሃገርና ንምፍራስ ብሽም ፋኖ ዝነግዱ ሸፋቱ ንምዕጣቕ ብሕቡእ ዝለኣኾ ልዕሊ 56 ሽሕ ዝተፈላለዩ ጥይታት መሳርሒ ኲናት ምስ ክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ጣብያ ፍተሻ ወልዲያ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ።



ኢድ ብኢድ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣብ ዝወዓሉ ክልተ ተጠርጠርቲ ብዝተገበር ቀዳማይ ብርኪ ምርመራ ብሻዕብያ ከምዝተልኣኹን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ መቐለ ተቐቢሉ ናብ ክልል ኣምሓራ ሸዋሮቢት ብምልኣኽን ብሽም ፋኖ ናብ ዝነግዱ ሸፋቱ ንምብፃሕ እናተንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ተረጋጊፁ ክብል ገሊፁ።
ንሻዕብያ ድልድል ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብሽም ፋኖ ንዝነግዱ ሸፋቱ ብምዕጣቕ ሰላም ሃገርና ንምፍራስ ተሊሙ ካብ ኤርትራ ብመቐለ ገይሩ ብሕቡእ ዝለኣኾ 41 ሽሕን 999 ጥይት ክላሽ፣ 14 ሽሕ ጥይት ብሬን ከምኡ እውን 800 ጥይት ዲሽቃ ብሓፈሻ 56 ሽሕን 799 ጥይታት ናብ ሸዋሮቢት ንምእታው እንትጎዓዓዝ ኣብ ወልዲያ ተታሒዙ።



ብቁፅሪ ሰሌዳ ኮድ 3 አ.አ B94744 ተሽከርካሪት ኣይሱዝ ፅዕነት ምስ ሲሚንቶን ብሎኬትን ኣመሳሲሎም ብምፅዓን እንተጎዓዕዙ ኣብ ከተማ ወልዲያ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀጥታ ብምውዳድ ብዝገበሮ ጠንካራ ኽትትልን ፍተሻን ከምዝተትሓዙ ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።
5 ጥሪ 2018 ዓ/ም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣብ ዝወዓሉ ክልተ ተጠርጠርቲ ምርመራ እናገበረ ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ።
ፀላእትን ባንዳታትን ተዋዲዶም ሰላምን ድሕንነትን ሃገርና ንምፍራስን ሃገርና ተሳልጦ ዘላ ልምዓትን ዕቤትን ንምትዕንቓፍን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት እንትንቀሳቐሱ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ዝፍለጥ እዩ።
ፀላእትን ባንዳታትን ተዋዲዶም ሰላምን ድሕንነትን ሃገርና ንምፍራስን ሃገርና ተሳልጦ ዘላ ልምዓትን ዕቤትን ንምትዕንቓፍን እናተንቀሳቐሱ ስለዝኾኑ እቲ ሓይሊ ፀጥታ ዝጀመሮ ኦፕሬሽን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ብምግላፅ እቲ ሕብረተሰብ እውን ምስቲ ሓይሊ ፀጥታ ብምትሕብባር ዝተለመደ ደገፍ ንክገብር ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪቡ። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም