ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንክዓስል ኣብቲ ከይዲ ምኽክር ንገብሮ ተሳትፎ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና - ኢዜአ ትግርኛ
ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንክዓስል ኣብቲ ከይዲ ምኽክር ንገብሮ ተሳትፎ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና
ኣዳማ/ጥሪ 6/2018 (ኢዜኣ) ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንክዓስል ዘለና ተሰማዕነት ተጠቒምና ኣብቲ ከይዲ ምኽክር ንገብሮ ተሳትፎ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና ክብሉ ኣባ ገዳታት፣ዓበይቲ ዓድን ሃደ ሲንቄታትን ገሊፆም።
ኢዜኣ ዘዘራረቦም ኣብ ከተማ ኣዳማ ዝርከቡ ኣባ ገዳታት፣ዓበይቲ ዓድን ሃደ ሲንቄታትን ከምዝበልዎ፤ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ብዓወት ተዛዚሙ ሰላምን ምርግጋዕን ንክዓስል ዘለዎም ተሰማዕነት ተጠቒሞም ኣብቲ ከይዲ ምኽክር ዝገብርዎ ተሳትፎ ከጠናኽሩ እዮም።
ኣብ ከተማ ኣዳማ ክፍለ ከተማ ኣባ ገዳ ኣካቢ ባህላዊ ቤት ፍርዲ ፈይሳ መገርሳ ከምዝበልዎ፤ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝፀንሑ ፀገማትን ተቓርኖታትን ዝፍትሕሉ ቀንዲ መፍትሒ እዩ።
ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተገበሩ ከይድታት እቲ ምኽክር ዓበይቲ ዓዲ፣ኣቦታት ሃይማኖት፣ኣባ ገዳታት፣ሃደ ሲንቄታትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ከምዝተሳተፉ ሓበሮም።
ከይዲ እቲ ምኽክር ውፅኢተዊ ንክኸውን እጃሞም እናተዋፅኡ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ጎንፅታትን ዘይምርድዳኣትን ተኣልዮም ዘላቒ ሰላም ንክዓስል ክሳብ መወዳእታ ተሳትፎኦም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ኣፍሊጦም።
ካሊእ ወሃቢ ርኢቶ ዓብዪ ዓዲ ኣይተ ድሪባ ጫላ ብግደኦም፤ ብብርኪ ክልል ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣብ ዝተኻየደ ምዕራፍ ምኽክር ከምዝተሳተፉን ሓድነት ዘጠናኽሩ ሓሳባት ከምዘልዓሉን ተዛሪቦም።
ብፍላይ ድማ ባህላዊ ስርዓታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ብምጥቃም በቢ ከባቢኡ ንዘለዉ ፀገማት ዘላቒ መፍትሒ ምሃብ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ከይዲ እቲ ምኽክር ንክዕወት ከም ዓብዪ ዓዲ እጃምና ክነጠናኽር ኢና ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝካየድ ብሄራዊ ምኽክር ዝሳተፉ ኣካላት ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ዝዓሰላ ሃገር ንክትኸውንን ንኹሉ ተረባሒ ኣብ ዝገብሩ ሓሳባትን ትኹረት ክገብሩ ኣለዎም ዝበሉ ዓብዪ ዓዲ ኣይተ ጥላሁን ራጎ፤ እቲ ምኽክር ፀገማትና እንፈትሐሉ፣ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ዝሓሸትን ንካልኦት መርኣያ ንክትኸውንን እቲ ምኽክር ውፅኢት ክሳብ ዝርከበሉ ዝገብርዎ ተሳትፎ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ኣረዲኦም።
ሃዳ ሲንቄ ብርቄ ከበደ ብግደአን፤ ሃገር ሰላም እንተዘይሃልዩዋ ብፍላይ ድማ ጓል ኣንስተይቲ ትጉዳእ እያ፣ ወሊዳ ንምዕባይ፣ ወፂኻ ንምእታው ፈተና እዩ ዝኸውን ኢለን።
ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ምኽክር ንኹሉ ተረባሒ ዝገብር መፍትሒ ሒዙ ዝመፅእ ስለዝኾነ ንዕዉትነት እቲ ምኽክር ኩሉ እጃሙ ከበርክት ከምዘለዎ እውን ገሊፀን።