እቲ ሃገራዊ ምኽክር ፀገማት ብዘተ ንምፍታሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ-ነበርቲ

ጅግጅጋ/ጥሪ 6/2018 (ኢዜኣ) እቲ ሃገራዊ ምኽክር ኣብታ ሃገር ዝፀንሑ ፀገማት ብዘተ ንምፍታሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ነበርቲ ከተማ ጅግጅጋ ገሊፆም።
ኣብዚ ጉዳይ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ጅግጅጋ፤ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ እቶም ከይድታት ምኽክር ሓቛፍን ኣሳታፍን ብምግባር ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ከሳትፍ ፀኒሑ እዩ ኢሎም።
ካብቶም ወሃብቲ ርኢቶ ኣይተ ኣብዲራህማን መሀመድ ከምዝበልዎ፤ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ሓባራዊ ኣጀንዳ ብምትእኽኻብ፣ፀገማት ብዘተ ብምፍታሕን ሓዱሽ ባህሊ ብምምዕባልን ሰላማዊት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዝሕግዝ እዩ።
እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅ ኣብ ዝግበሩ ፃዕርታት ቀሊል ዘይበሃል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።



ኣይተ ኣደን ዩሱፍ ብግደኦም፤ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዘሳልጦ ዘሎ ከይዲ ምኽክር ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ስለዝኾነ ዝነኣድ ስራሕ እዩ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዘይምርድዳኣት ብዝሰልጠነ መንገዲ ንምፍታሕ እቲ ስራሕ ምኽክር ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።



ኣይተ መላኩ ባልቻ ብግደኦም ከምዝበልዎ፤ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ንጉዕዞ ዕቤት እታ ሃገር ዝለዓለ እጃም ኣለዎ።
ብፍላይ ድማ ምርድዳእ ኣብ ምፍጣር ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍ ከምዘኽእል ኣረዲኦም።



ሰላም ንዕቤት እታ ሃገር ወሳኒ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብፍላይ ድማ ዝተተለሙ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ሽቶኦም ንምብፃሕ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም