ፓርቲ ብልፅግና ብኣተሓሳስባ መደመርን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ጠንካራ ሃገረ መንግሥቲ ንምህናፅ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዕዉት ውፅኢት እናተረኸበሉ እዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ሆሳዕና/ጥሪ 6/2018 (ኢዜኣ) ፓርቲ ብልፅግና ብኣተሓሳስባ መደመርን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ጠንካራ ሃገረ መንግሥቲ ንምህናፅ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዕዉት ውፅኢት እናተረኸበሉ ከምዝኾነ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ኣፈፃፅማ ስራሕቲ 6 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ፓርቲ ብልፅግና ዝግምግም መድረኽ ኣብ ከተማ ሆሳእና ምክያድ ጀሚሩ።



ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ፓርቲ ብልፅግና ብኣተሓሳስባ መደመርን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ጠንካራ ሃገረ መንግሥቲ ንምህናፅ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዕዉት ውፅኢት እናተረኸበሉ እዩ።
ዘተኣኻኽብ ተረኽ ብምጥንኻር ንኹሎም ዜጋታት እትምችው ዝማዕበለት ሃገር ብምህናፅ ነቲ ተተካኢ ወለዶ ንምትሕልላፍ ዘበን ተሳጋሪ ኣሰራት ልምዓት ንምንባር እናተሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።



ኣብ ኢትትዮጵያ ትካል ኣብ ምህናፅ ከምኡ እውን ፈጠራን ቅልጣፈን መሰረት ዝገበረ ጠንካራ ኣመራርሓ ኣብ ምፍጣር እቲ ፓርቲ ዕዉታት ስራሕቲ ከምዘሳለጠ ሓቢሮም።
ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብምዝዛም ንዓወት ብምብቃዕ ካልኦት ሜጋ ፕሮጀክትታት ጋህዲ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ዲጂታል ኢትዮጵያ ካብ ምህናፅ ጀሚሩ ኣካይዳ ሓደ ትልምን ሓደ ፀብፃብን ብምኽታል ዓቕሚ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ፓርቲ ናይ ምህናፅ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝፀንሑ ኣረዲኦም።
ኣብ በጀት ዓመት 2018 ተረባሕነት ህዝቢ ዘረጋግፁ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ንምስላጥ ብምትላም ብመሰረት እቲ ትልሚ ክሳብ ሕዚ ዕዉታት ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም ኢሎም።
እዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ መድረኽ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ብምግምጋም ኣጠናኺርካ ንምቕፃልን ኣብ ቀፃሊ ስራሕቲ ንምዝታይን ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣብቲ መድረኽ፤ ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ኩሎም ክልላትን ክልቲኦም ምምሕዳር ከተማን ከምኡ እውን ኣመራርሓ ክንፊ መናእሰይ ይሳተፉ ኣለዉ። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም