ሃፍቲ ተፈጥሮና ብኹሉ መልክዕ ምልማዕ መዓልታዊ ስራሕና ክኸውን ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሃፍቲ ተፈጥሮና ብኹሉ መልክዕ ምልማዕ መዓልታዊ ስራሕና ክኸውን ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 5/2018(ኢዜኣ) ሃፍቲ ተፈጥሮና ብኹሉ መልክዕ ምልማዕ መዓልታዊ ስራሕና ክኸውን ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ስርዓት ሓለዋ ከባቢና ድኹም ስለዝኾነ ዳግማይ ንምትካእ ኣዝዩ ኣፀጋምን ልሙዕ ዝኾነ ሓመድና እናሰኣንናን ፀኒሕና ኢና ኢሎም።
ብምትሕብባር ህዝብን መንግሥትን ዝተጀመረ ስራሕ ሓለዋ ከባቢ ኣዋርሕ ዝናብ ቅድሚ ምቕራቡ በዚ መልክዕ ምጅማሩ ተስፋ ወሃቢ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፤ ሃፍቲ ተፈጥሮና ብኹሉ መልክዕ ምልማዕ መዓልታዊ ስራሕና ይኹን ኢሎም።
ንበርትዕ፣ ኣእዳውና ሓመድ ይንክኡ፣ ሃገር ነልምዕ ክብሉ ፃውዒት እውን ኣቕሪቦም።