ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ከባቢ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ምድላው ተገይሩ እዩ-ብሄራዊ ቦርድ መረፃ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 5/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ከባቢ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ዝተመዝገቡን ሕፁያት ዘመዝገቡን ውድባት ፖለቲካ ከምኡ እውን ወረቐት ምስክር ዝተውሃቦም ውልቀ ተወዳደርቲ ካብ 1 ጥሪ 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ቅንቀሳ መረፃን ወፍሪ ምረፁንን ምግባር ከምዝኽእሉ እቲ ቦርድ ሓቢሩ።
ኣብ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃን ካልኦት ሃገራዊ ጉዳያትን ዝጠመተ ሃገራዊ ሓባራዊ መድረኽ ምኽክር መውፃእቲ ሕጊ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ምኽክር፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ፣ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ተስፋዬ ቤልጂጌ(ዶ/ር)ን ኣፈ ጉባኤታትን ምክትል ኣፈ ጉባኤታትን ክልላትን ተረኺቦም።



ምክትል ኣካቢ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ተስፋዬ ንዋይ ኣብቲ መድረኽ “ምድላውን እጃም ኣብያተ ምኽርን መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ”ብዝብል ርእሲ መዛተዪ ሰነድ ኣቕሪቦም።
እቶም ምክትል ኣካቢ ኣብ ገለፅኦም፤ ካብ 7 ለካቲት ክሳብ 7 መጋቢት 2018 ዓ/ም ኣብ ኩሎም ከባብታት እታ ሃገር ምዝገባ መረፅቲ ንክሳለጥን መውሃቢ ድምፂ መረፅቲ ድማ 24 ግንቦት 2018 ዓ/ም ንክኸውንን እቲ ቦርድ ከምዝወሰነ ኣረዲኦም።
እቲ ቦርድ ብመሰረት ብኣዋጅ ዝተውሃቦ ስልጣን ካብ ስሩዕ ጣብያታት መረፃ ብተወሳኺ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ፣ ብምኽንያት ስራሕ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝርከቡ ዜጋታት፣ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦትን ፍሉይ ጣብያ መረፃ ክጣየሸሎም ስለዝግባእ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።



ኣብቲ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ልዕሊ 50 ሽሕ ጣብያታት መረፃ ከምዝህልዉ ብምግላፅ፤ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ሕድ ሕድ ጣብያ መረፃ ካብ 1 ሽሕን 500 ዘይበልፅ መራፂ ክሕዝ ኣለዎ ኢሎም።
ብመሰረት እቲ ዝተመሓየሸ ቁፅሪ ኣዋጅ 1162/2011 ስራሕቲ መረፃ ዲጂታላይዝ ብምግባር ነቲ ቦርድ ዓቕሚ ዝፈጥሩ ድንጋገታት እውን ከምዝተኻተቱ ፀሪሖም።
ስለዝኾነ ድማ ምዝገባ ሕፁያትን መረፅትን ከምኡ እውን ንካልኦት ስራሕቲ እቲ ቦርድ ውፅኢታዊ ክገብሩ ዝኽእሉን ስልትታት ኣፈታትሓ ቅሬታን ምምሕያሽ ከምዝተገበረሎም ኣረዲኦም።
ብሓፈሻ እቲ ቦርድ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ከባቢ እቲ መረፃ ምክያድ ዘኽእል ምድላው ከምዝገበረ ኣብራህሪሆም።
መረፅቲ ብዲጂታል ወይ ድማ ብኣካል ብምቕራብ ምምዝጋብ ከምዝኽእሉ እውን ሓቢሮም።
ብመተግበሪ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ምምዝጋብ ንዝደልዩ መረፅቲ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ክህልዎም ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
በቲ ቦርድ ዝተመልመሉ ፈፀምቲ መረፃ ካብ ዝኾነ ውድብ ፖለቲካ ነፃ ዝኾኑ ነቲ ስራሕ ብቑዕ ምድላው ትምህርቲ ዘለዎምን ቋንቋ ስራሕን ባህልን እቲ ከባቢ ዝፈልጡን ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ኣብ መላእ እታ ሃገር እንተነኣሰ 318 ሽሕ ፈፃሚ መረፃ ከምዘድሊ እውን ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም